Heirat Foto: © colourbox.de

ሰነዳት

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ምዝገባ ቃልኪዳን ይኣስሩ ፡፡ እዚ መንግስታዊ መርዓ ይባሃል። ኣብ ጀርመንውን ከምኡ እዩ። ብተወሳኺ ውን ሰብ ኣብ ቤተክርስትያን ውን ቃልኪዳን ይኣስር እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ቃልኪዳን ድሕሪ ናይ መንግስቲ መርዓ ይካየድ። 

ኣብ ጀርመን ክትምርዖ ዶ ትደሊ ? ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ኣመልክት፡፡ ንመመልከቲ ዝድልየካ ገለ ዶኩመንትታት ናይ ነባርነት ሰነድ ናይ መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት ናይ ልደት ምስክር ወረቐት እያተን። ምስ መጻምድኻ ወይ መጻምድኺ ቆልዓ ኣለካዶ ? እቲ ዶኩመንት ናይ ደቕኻ ክተምጽኦ ይግባእ። ነቲ ዶኩመንት ወይ ሰነድ ናብ ቋንቋ ጀርመን ክተተርግሞ ኣለካ፡፡ ትኽክለኛ ትርጉም ከምዝኾነ ኖታዮ ይፍርመሉ። ነቲ ትርጉም ብቕዓቱ የረጋግጽ። 

ምስተመርዓኻ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ሓደ ሓድሽ ሰነድ ይወሃበካ፡ ናይ ሰብ ቃልኪዳን ወይ ውን ናይ ሰብ ሓዳር ምስክር ወረቐት እዩ። እንተደሊኻ ውን ናይ ስድራ ቤት ደብተር ሓረገ ትውልድ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘለ ሰነድ ይወሃበካ። 

ኣብ ሃገርካ ድሮ ተመርዒካ ዲኻ ? ከምዚ ኣንተ ኮይኑ ፡ ብርግጽ ሓደ ሰነድ ኣለካ ማለት እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ናይ ወጻእተኛታት ምስክር ቃልኪዳን ወይ ሰነድ ሰብ ሓደር እዩ። ነቲ ሰነድ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ብምኻድ ናይ ጀርመን ብቕዓቱ ተመስክረሉ። 

መርዓ

መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መርዕኦም ዲቕ ዝበለ ጓይላ ይገብሩ፡፡ እታ መርዓት ጻዕዳ ናይ መርዓት ክዳን ትኽደን፡፡ ብዙሓት መርዑ ናይ መርዓ ቀለበት ይዕድጉ፡፡ ኣብ መርዓ እቲ መርዓዊ ነታ መርዓት ቀለበት ትገብረሉ ። ንሳ ድማ ካብቲ ሰብኣያ ቀለበት ትወስድ። ንዛያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝምልከት ኣርእስቲ ‚‚Internationale Eheschießung‘‘ ኣብ  Internetseiten des Auswärtigen Amts ‚‚Ehegattennachzug‘‘ ‚‚Willkommen in Detuschland‘‘ BAMF ተመልከት።

ዝደጋገሙ ሕቶታት

መጻምድተይን ኣነን ገና ኣብ ጀርመን ኣይኮንናን ንቕመጥ ዘለና። ኣብ ጀርመን ኢና ግን ክንምርዓው እንደሊ። ሓበሬታ ካበይ ክንረክብ ንኽእል?

ገና ኣብ ሃገረይ’የ ዝነብር ዘሎኹ። ኣብ ጀርመን’የ ግን ቃል ኪዳን ክኣስር ዝደሊ። ቪዛ’ሞ ከመይ ጌረ ኽረክብ እኽእል?

ኣብ ወጻኢ ሃገር’የ ቃል ኪዳን ኣሲረ። ቃል ኪዳነይ ኣብ ጀርመን ሕጋዊ ተቐባልነት ኣለዎ ድዩ?

ካብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማላእክዎ ናይ ቃል ኪዳነይ ምስክር ወረቐት ኣበየናይ ቦታ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ክገብር እኽእል?

ኣብ ሓዳረይ ጸገም ኣሎኒ። ሓገዝ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

Haben Sie weitere Fragen? Dann kontaktieren Sie die Beraterinnen und Berater der Jugendmigrationsdienste.

Online-Beratung