Frühe Förderung Foto: © colourbox.de

ዕሸላት ትሕቲ ሰለስተ ዓመት

ንስኻ ወይ በዓልቲ ቤትካ ወይ ዓርክኻ ሰራሕተኛታት እንተ ኮይንኩም ንእሽተይ ዕሸል ፡ 3 ዓመት ዘይመልአት ህጻን፡ ምስዝህልወኩም እንታይ ትገብሩ ? ንውላድኩም ናብ መዋእለ ዕሸላት / ኪንደር ክሪፐ/ ትልእኩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ መዋእለ ዕሸላት ውሱን ቦታታት ጥራይ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ውላድኩም ኣቐዲምኩም ተመዝግቡ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ / እታ ህጻን ናብ ኣጸደ ህጻናት ይላኣኽ። ኣብኡ ክጻወቱ ክዝምሩ ክቀብኡ ክስንዑ ይኽእሉ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጸደ ህጻናት ፡ እቶም ኣለይቲ ኣብ እዋን ሓጋይ ምስቶም ቆልዑት ብሓባር፡ ኣብ ገደና / ናቱር / ይወስድዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ሓገዝ ኣብ መዋእለ ህጻናት ይወሃብ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ምስቶም ቆልዑ ናይ ቋንቋ ጸወታ እናምጽአ፡ ጽውጽዋይ ኣናነገረ የዘናግዖም ቋንቋ ይምህሮም። 

ኣጸደ ህጻናትን መዋእለ ህጻናትን

ኣጸደ ህጻናት ንቆልዑት ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ምእታዎም ዝግበር ምድላዋት እዩ። ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ካብ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ኣጸደ ህጻናት ሓደ ቦታ ኣለዎ። መዋእለ ህጻናት ኣብ ናእሽቱ ዓድታት ወይ ቦታታት ውን ኣሎ። ይኹን እንበር ንውላድካ ብእዋኑ ኣብ ኣጸደ ህጻናት መዝግብ። ኣብዚውን እንተኾነ ብዙሕ ቦታት የለን ፡፡ ቆልዓኻ ብኣጸደ ህጻናት ኣቢሉ ርክብ ምስ ባህሊ የጥሪ ፡ ነታ ሓዳስ ሃገር ከኣ ቀልጢፉ ይላለያ። 

ገለ ኣጸደ ህጻናት ክሳብ ፍርቂ ማዓልቲ ጥራይ ካብ ሰዓት 7 ክሳብ 12 ወይ 13 ጥራይ ይኸፍታ። ካልኦት ኣጸደ ህጻናት ምሉእ መዓልቲ ክፉታት ኮይነን ካብ ሰዓት 7 ክሳብ 5 ድሕሪ ቀትሪ ይውዕላ። እዘን ኣጸደ ህጻናት እዚኣተን መዋእለ ህጻናት ይበሃላ። ኣብኡ ቆልዑ ምሳሕ ይምስሑ። 

ንሓደ መጽኒሒ ቦታ ኣብ መዋእለ ዕሸላት ይኹን ወይ ኣብ ኣጸደ ህጻናት ወይውን ኣብ መዋእለ ህጻናት ከም ግቡእ ቅሩብ ገንዘብ ይኽፈሎ። እቲ ዋጋ ካብ ሓንቲ ፈደራላዊት ኣውራጃ ናብ ካልእ ኣውራጃ ዝፈላለ ኮይኑ ነፍስ ወከፍ ሓደ ዓይነት ኸፍሊት ኣይከፍሉን እዮም። ኣቲ ዋጋ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ይምርኮስ። እቶትካ ክንደይ እዩ ውላድካ ክንደይ ዓመት ኣለዎ እቲ ቆልዓ ክንደይ ሰዓታት ኣብ ኣጸደ ህጻናት ይጸንሕ ወዘተ። ናይ መንግስትን ናይ ብሕትን መዋእለ ዕሸላትን ኣጸደ ህጻናትን ኣለዋ። እተን ናይ ብሕቲ መዋእለ ዕሸላትን ኣጸደ ህጻናትን ክቡራት እየን። ገለ ናይ ብሕቲ ኣጸደ ሕጻናት ናይ ክልተኣዊ ሃገራት እየን። ኣብኡ ሓደ ቆልዓ ክልተ ቋንቋ እስፓንሽን ጀርመንን ይዛረብ። 

ኣብ ብዙሓት ኣጸደ ህጻናትን መዋእለ ህጻናትን ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ፡ ኣቶም ቆልዑ ናይ ቋንቋ ፈተነ ይፍተኑ። ሓደ ሓደ ግዜ ቋንቋ ጀርመን ንጀርመናውያን ቆልዑ ውን ከቢድ እዩ። ነቲ ፈተና ዘይሓለፍዎ ቆልዑት እንደገና ሓደ ዓመት ኣብ ኣጸደ ህጻናት ይመላለሱ ወይ ውን ተወሳኺ ሓገዝ ናይ ቋንቋ ይረኽቡ።

ዝደጋገሙ ሕቶታት

ንውላደይ ኣብ ኪንደርጋርተን (መዋእለ ህጻናት ክሳዕ ፋዱስ) ወይ ኣብ ኪታ (ክሳዕ ድሕሪ ቐትሪ) መዓስ’የ ከመዝግቦ ዘለኒ?

ንውላደይ ከመይ ጌረ ኣብ መዋእለ ህጻናት (ኪንደርጋርተ) ቦታ ክረኽበሉ እኽእል?

ውላደይ 2 ዓመት ጥራይ እዩ ጌሩ። ናብ መዋእለ ህጻናት ክኸይድ ይኽእል ዶ?

ውላደይ ቋንቋ ጀርመን ኣይክእልን’ዩ። ናብ መዋእለ ህጻናት ክኣቱ ይኽእል ዶ?

ውላደይ ኣብ መዋእለ ህጻናት ስፖርት ክገብር ይኽእል ዶ?

እቶም ንህጻናት ዝኹስኩሱ ናይ መዕበያ መምሃራን (Erzieher) ክንደይ ይኾኑ ?

ውላደይ ዝብላዕ መግቢ ይረክብ ድዩ?

Haben Sie weitere Fragen? Dann kontaktieren Sie die Beraterinnen und Berater der Jugendmigrationsdienste.

Online-Beratung