Ein Kellner steht an der Bar in einem Restaurant und trocknet Gläser ab. © Goethe-Institut

ኣገደስቲ ሰነዳት ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ እዋን

ቀዋሚ ስራሕ ኣብ ጀርመን ዶ ረኺብካ? ስለዚ ሰራሕተኛ ኢኻ። ንወሃብ ስራሕ ዝወሃብ ሰነዳት ኣሎ። መጀመርያ ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ ከምዘለካ መረጋገጺ ወረቐት የድልየካ። እዚ መረጋገጺ እዚ፡ ካብ ናትካ ሕክምና ኢንሹራንስ ትረኽቦ። ኣብ ጀርመን ነፍስ ወከፍ ሰብ ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ ክህልዎ ይግባእ። መብዝሕትኡ አዋንውን ናይ ፖሊስ ምስኽር ወረቐት ትሕተት። እዚ ወረቐት እዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ነበርቲ ይርከብ። 

ኢንሹራንስን መንግስታዊ ቀረጽን

ከም ሰራሕተኛ ናይ ጡረታ ኢንሹራንስን ናይ ስራሕ ኣልቦነት ኢንሹራንስን ኣለካ። ብዛዕባ እዘን እንሹራንሳት ዝኾነ ይኹን ምግባር ኣየድልየካን ብቀጥታ እዩ ዝመሓላለፍ። ወሃቢ ስራሕ ክፋል ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ ጡረታ ኢንሹራንስ ን ስራሓ ኣልቦነት ኢንሹራንስ ባዕሉ ይኸፍሎ። እቲ ካልእ ክፋል ባዕልኻ ትኸፍል እዚ ቀጥታ ካብ ናትካ ዶሞዝ ወይ ማሃያ ይጎድል ብተወሳኺውን ናይ ቀረጽ ቁጽርን ኤለትሮኒካዊ ናይ ቀረጽ ካርድ የድልየካ ክልቲኡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ትረኽቦ። መንግስታዊ ቀረጽ ባዕልኻ ምትሕልላፍ ኣየድልየካን እዩ። ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ባዕላ ካብ ናትካ ደሞዝ ወይ መሃያ ትወስዶ።

ናይ ስራሕ ውዕል

ነፍስ ወከፍ ሰራሕተኛ ናይ ስራሕ ውዕል ይገብር። ንስኻን ወሃቢ ስራሕን ነቲ ውዕል ትፈራረሙ። ቅድሚ ምፍራምካ ነቲ ናይ ስራሕ ውዕል ኣጸቢቅካ ኣንብቦ ዘይተረዳኣካ እንተኮይኑ ሕተት ንዓበይቲ ኣብ Migrationsberatung für erwachsene Zuwandererይሕተቱ። መንእሰያትን ኣባጽሕን ክሳብ 27 ዝዕድሚኦም ሓበሬታ ካብ Jugendmigrationsdiensten ይረኽቡ። ኣብ ናይ ስራሕ ውዕል ኩሉ መምርሒታት ኣሎ። ንስኻን ወሃቢ ስራሕን በዚ መምርሒታት እዚ ትቅየዱ። ኣብዚ ንኣብነት ወርሓዊ ዶሞዝካ ክንደይ እዩ? ክንደይ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ኣለካ? ምስ ሓመምካ እንታይ ትገብር? ወዘተ ተጠቒሱ ኣሎ። ከምልሙድ ኣብ ሓደ ሰራሕ ሓደ ናይ ፈተነ ግዜ ኣሎ። እቲ ናይ ፈተነ ግዜ ዝተፈላለየ ግዜ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ንሰሙናት ጥራይ ኮይኑ ኣብ ገለ ከኣ ንፍርቂ ዓመት ይኸይድ። ኣብ ግዜ ናይ ፈተነ እዋን ወሃቢ ስራሕ ብጥብቂ ይከታተለካ፡፡ ንሱ ድሕሪ ናይ ፈተነ ግዜ ኣብቲ ስራሕ ክትቅጽልን ወይ ንከይትቕጽልን ይወስን። ንስኻውን ብወገንካ ድሕሪ ናይ ፈተነ ግዜ ፡ ንክትሰርሕ ድልየት እንተለካ ትውስን ኢኻ። ኣብ ናይ ፈተነ ግዜ እቲ ገደብ ናይ ምስራዝ ውዕል ዝሓጸረ እዩ ፡ መብዝሕትኡ ግዜ ከኣ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙን እዩ። ብድሕሪኡ ግን ከም ልሙድ ሰለተ ወርሒ ይኸውን።

ንእሽተይ ስራሕ

520 ኤውሮ ዝኽፈሎ ንእሽተይ ስራሕ ኣብ ጀርመን ኣሎ። እዚ ንእሽተይ ስራሕ እዚ ሓደ ሰብ ክሳብ 520 ኤውሮ ጥራይ ይኽፈሎ። ኣብዚውን ብቐጥታ ሕክምና ኢንሹራንስ ከምኡውን ናይ ጡረታ ኢንሹራንስ ትኸፍል። እዚ ግን ወሃቢ ስራሕ ጥራይ ይኸፍሎ፡፡ ንስኻ እተዋጽኦ ሳንቲም የለን ግን ናይ ስራሕ ኣልቦነት ኢንሹራንስየብልካን።

Eine Kellnerin in einem Restaurant stellt Stühle auf die Tische. © Goethe-Institut

ናይ ገዛእ ርእስኻ ስራሕ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ስራሕ ስለእትሰርሕ ሰራሕተኛ ኣይኮንካ። ከምኡ ኮይኑ ውን ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ የድልየካ። እዚ ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ ግን ባዕልኻ ትኸፍሎ። ናይ ጡረታ ኢንሹራንስ እንተለካውን ጽቡቕ እዩ። ኣብ ገለ ሞያታት ንኣብነት ናይ ኢደ ስራሓት ወይ ውን ኣለይቲ ኣደታት ናይ ጡረታ ኢንሹራንስ ክህልወን ይግባእ። ካብ ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ እቲ ናይ ቀረጽ ቁጽሪ ትረኽቦ። ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ እቶትካ ንዓመት ክንደይ ከምዝኾነ ትግምት ፡፡ ብድሕሪኡ ክንደይ ቀረጽ ከምትኸፍል ይስለዓልካ፡፡ ነቲ መንግስታዊ ቀረጽ ክተማሓላልፎ ኣለካ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ክትምስርት ምስእትደሊ ሓደ ፍቓድ ናይ ትካል ዋኒን የድልየካ። እዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ትካል ዋኒን ትረኽቦ ፡፡ ኣብ ማዛጋጃ ቤት ብምኻድ ኣድራሻ ትካል ዋኒን ትፈልጥ። ወላውን ንኣብነት ሓደ ንግዲ ወይ ሬስቶራንት ክትከፍት ምስእትደሊ ናይ ትካል ፍቓድ የድልየካ።

Eine Frau sitzt an einem Tisch in ihrer Wohnung und arbeitet am Laptop. © Goethe-Institut

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form