Ansicht auf ein leeres Büro mit zwei gegenüberstehenden Schreibtischen © Goethe-Institut

መሳርሕተይ

መጀመርያ መዓልታት ናይ ስራሕ ኣብ ሓዲሽ ናይ ስራሕ ቦታኻ ናይ ስራሕ ማሓዙትካ ዝኾኑ ወይ ዝኾና ሰባትን ፡ ነቲ ስራሕ ንገዛእ ርእሱን ትላለዮ። ንመሳርሕትኻ መብዝሕትኡ እዋን ፡ ድሕሪ ቁሩብ ምልምማድ ንስኻ / ዱ / ኢልካ ክትጽውዕ ትጅምር። ንሓለፍትኻ ግን ወይውን ላዕለዋይ ሓለቓ ግን ካልእ ነገር እዩ። ንዕኡ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ኣቱም /ዚ/ ትብሎም ፡፡ እዚ ግን ካብ ትካል ፡ ናብ ትካል ይፈላለ እዩ።

ሓለዋ ሰራሕተኛታት

ኣብ ጀርመን ሓለዋ ሰራሕተኛታት ዝበሃል ኣሎ። ሓንቲ ትካል ንድሕነትን ጥዕናን ናይ ሰራሕተኛ ዝምልከት ፍሉይ መምርሒታት ይህልዋ ። እዚ ማለት ንኣብነት ዝተፈልየ ናይ ስራሕ ክዳውንቲን ፡ ምዱብ ናይ ሰዓታትን ናይ ዕረፍትን ግዝያት ኣብ ዓበይቲ ትካላት ወኪል ማሕበር ሰራሕተኛታት ማለት ቤት ምኽሪ ስራሕ ኣሎ። እንተድኣ ሽግር ኣለኻ ምስዚ ቤት ምኽሪ ስራሕ ትመያየጥ። እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ብወገኑ ምስ ሓላፊኻ ይዛተ። 

Eine Kellnerin hat ein Tablett mit Gläsern in der Hand, im Hintergrund sind sitzende Personen zu sehen. © Goethe-Institut

ናይ ስራሕ ግዜን ዓመታዊ ዕረፍትን

ናይ ስራሕ ግዜ ምስ ሞያኻ ዝተኣሳሰረ እዩ። ከም ነርስ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ንኣብነት ኣብ ተለዋዋጢ ስዓታት ሽፍት ኣገልግሎት ትህብ። ንግሆ ወይ ምሸት ወይ ለይቲ ትሰርሕ። ካብ ንግሆ ጀሚርካ 8 ወይ 9 ሰዓታት ድሕሪ ምስራሕ ናይ ስራሕ መዓልቲ ትዛዝማ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ውን ተለዋዋጢ ሰዓታት ኣሎ እዚ ማለት ተዓጻጻፊ ናይ ስራሕ ስዓታት ማለት እዩ። ንኣብነት ንግሆ 8 ወይ 9 ትጅምር እሞ ምሸት ድማ ኣቐዲምካ ወይ ዶንጊኻ ትፍደስ። ኣብ ኩሉ ስራሕ እንተዋሓደ ሓንቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እዛ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ድማ ናይ ምሳሕ ግዜ ኮይና ካብ 30 ክሳብ 60 ደቒቕ ትኸውን። ከም ግቡእ ሓደ ሰብ ንሰሙን 38 ክሳብ 40 ሰዓታት ይሰርሕ። 

ነፍስ ወከፍ ሰራሕተኛ ዝተወሰነ ቁጽሪ ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ ኣለዎ። ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመልክት ሓላፊ ድማ ክሰማማዓሉ ይግባእ። መብዝሕትኡ ግዜ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ዓመታዊ ዕረፍቲ ትወስድ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ስራሕ ኣብ ዝጽዕቀሉ ግዜ ዓመታዊ ዕረፍቲ ምውሳድ ኣይፍቐደካን። ሓደ ሓደ ግዜ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክትወስድ ትግደድ ምኽንያቱ እታ ብምልእታ ትካል ዕረፍቲ ስለትኸይድ። ብግዜ ዕረፍቲ ደሞዝካ ወይ ማሃያካ ይኽፈለካ። ምስሓመምካ ውን ንወሃቢ ስራሕካ ቐልጢፍካ ተፍልጥ ሓኪም ድማ ትረኣ። ሓኪም ንወሃቢ ስራሕ ዝወሃብ ወረቐት ይህበካ። ነቲ ናይ ሓኪም ወረቐት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንወሃቢ ስራሕካ ተብጻሓሉ። መብዝሕትኡ እዋን ወሃብቲ ስራሕ ፡ ናይ ሓኪም ወረቐት ናይ ሕማም እዋን ካብ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ምስዝሓልፍ ክትህቦም የድልየካ። ጽሑፍ ‚‚Gesundheit‘‘ተመልከት።

ናይ ስራሕ ክዳውንቲ

ኣብ ገለ ሞያታት ናይ ስራሕ ክዳውንቲ ንኣብነት ኣብ ህንጻ ካብ ሓደጋ ንመከላኸሊ ክትክደኖ ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንኣብነት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ስራሕ፡ ዩኒፎርም ክትክደን የድሊ። ወይ ውን ሓንቲ ቲ ሸርት ናይታ ትካል ሎጎ ዘለዋ ትለብስ። ከምዚ ብምግባር እቲ ዓሚል ሰራሕተኛ ምኳንካ የለልየካ ። 

Mehrere Köche arbeiten in einer Restaurantküche. Sie tragen Kopftücher und Kochjacken. © Goethe-Institut

ምስራዝ ውዕል

ኣብ ሓደ ትካል ክትሰርሕ ኣይከኣልካን ወይ ኣይደለኻን ነቲ ውዕል ትስርዞ። ሓደ ምስራዝ ውዕል ኩሉግዜ ብጹሑፍ ይኸውን ከምኡውን ናይ ምስራዝ ውዕል ገደብ ኣሎ። እዚ ምስራዝ ውዕል ገደብ እዚ ከምልሙድ 3 ወርሒ እዩ።

Eine Frau sitzt an einem Tisch in ihrer Wohnung und telefoniert. Auf dem Tisch liegen Papiere und ein Laptop. © Goethe-Institut


 

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form