Ansicht auf ein Gebäude mit der Aufschrift „Jobcenter“ © Goethe-Institut

ስራሕ ፍቓድ

ዜጋ ናይ ኤውሮፓ ሕብረትን ናይ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሕብረት ኤውሮፓ ምስዘይትኸውን ! ኣብ ጀርመን ናይ ስራሕ ፍቓድ / ናይ ስራሕ ፍቓድ የድልየካ ። ክሳብ መዓስ ክትሰርሕ ከምትኽእል ዝተፈቕደልካ ግዜ ኣብ መንበሪ ወረቐት ተጠቒሱ ኣሎ። 

ምስኽር ወረቐትን ብቕዓትን

ኣብ መበቆል ዓድኻ ሓደ ሞያ ኣጥሪኻ ዶ። ናይ ሞያዊ ትምህርቲመዛዘሚ ምስኽር ወረቐት ኣለካ ዶ ? ዝሓዝኻዮ ምስክር ወረቐትንሰነዳትን ክትርጎምን ትኽክለኛ ብቑዕ ቅዳሕ ክህልወክን ይግባእ። ብቑዕ ቅዳሕ ማለት ፡ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ዝቐረበላ ዶኩመንት ሓቅነቱ ተረጋግጽ ማለት እዩ። እዚ ብቑዕ ቅዳሕ እዚ ዝሓሸ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ በዓል ስልጣን ምስዘጋገጾ ይምረጽ። ሓድ ሓደ ግዜ ኣብ ወጻኢ ዝተዛዘመ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ጀርመን ተቐባልነት የብሉን። ነዚ ኣቐዲምካ ኣብ ሃገርካ ኣንከለኻ ነዚ (ተፈላጥነት ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ) ክተረጋግጾ ትኽእል። ኣብ ኢንተርነት 

ተወከስ።

Ein Mann bedient die Anerkennung in Deutschland Webseite auf einem Tablet © Goethe-Institut

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ

ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣለካ ዶ ? እንተለካ ስራሕ ክትደሊ ትኽእል። ብዙሕ ተኽእሎታትውን ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ወይ ጋዜጣ ወይ ቤት ጽሕፈት ዕዮ/ ማእከል ሸቕሊ ብዛዕባ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ከናዲ ይኽእል። ዝበዝሕ ጊዜ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ብጋዜጣ ይቃላሕ። እቲ ምቕላሕ ግን ግዝያዊ እዩ። ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ምቅላሕ ግን እዋናዊ ኣይኮነን። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝያዳ ተማኽረካ። ብቐጥታ ኣብ ሓደ ትካል ብኣካል ብምኻድ እውን ስራሕ ክተመልክት ትኽእል። ኣብ ሓደ ሓደ ትካላት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ኢንተርነት ወይ ጋዜጣ ዝይወጸ ይርከብ። ካብኡ ሓሊፉ ውን ኣብ ብዙሕ መርበብ ሓበሬታ ሓንቲ ትካል ፡ ንገዛእ ርእሳ ዝምልከት ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ኣብቲ ናታ መርበብ ተመሓላልፍ። 

ብተወሳኺ ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ፡ BIZ (ናይ ሞያ ሓበሪታ ማእከል ) ፡ ኣሎ፡፡ኣብኡ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታን ብዙሕ ሓበሬታን ንሞያን ስራሕን ዝምልከት ይርከብ፡፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝርከብ ኢንተርነት ድማ ፡ ናትካ ናይ ደላይ ስራሕ መወዓውዒ ከተቃልሕ ትኽእል፡፡ ብ.ኣም.ዝድ ብተወሳኺ ናይ ሞያ ምኽሪ ሓበሬታ ትህብ ፡ እንተደኣ ንስኻ እትደልዮን እትኸሎን ገና ዘይትፈልጥ ምስ እትኸውን፡፡

ምልምማድ ስራሕ ኣብ ሓንቲ ትካል ድማ ጠቓሚ እዩ፡፡ ስራሕ ትፈልጥን ርክባት ትጅምርን፡፡

Ein Mann liest Zeitung und sucht nach Stellenangeboten. © Goethe-Institut

ማመልከቻ

ማመልከቻ ቀዳማይ ስጉምቲ ኣብ ዕዳጋ ናይ ስራሕ እዩ። ዝቐርብ ናይ ማመልከቻ ሰነዳት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ናብ ትካል ዝላኣኽ ደብዳቤ ምዕርግ ስዕልን ናይ ሂወት ከይድን ብጀርመን ዝተጻሕፈ ምስክር ወረቐትን ኣብቲ ሰነድ ይተሓሓዝ። ቢ.ኤም.ዘድ ንኣጸሓሕፋ ማመልከቻ ዝምልከት ዓውደ መጽናዕቲ ተዳሉ እዩ። ሓደ ሰብ ኣጻሕፋ ማመልከቻን ምድላው ንቃለ መጠይቅን ይመሃር። 

ኣብ ብዙሕ ከተማታት ንሓደስቲ ምጻእ ዝኮነ ናይ ምኽሪ ቦታታት ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣብ ምንዳይ ስራሕ ኣብ ምድላው ማመልከቻይተሓባበር። Bundesamt für Migration und Flüchtlinge ተመልከት ፡፡ ንደቂ 27 ዓመት ዘይኣኸሉ መንእሰያት ሓደ ፍሉይ ኣገልግሎት ምኽሪ ንመንእሰይ ሓደስቲ ምጻእ ይወሃብ እዩ፡፡

Eine Frau steht vor einem Passfotoautomaten. © Goethe-Institut

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form