Ansicht auf eine sommerliche Party auf einer Wiese mit vielen Menschen, Essensständen und Dekoration © Goethe-Institut

ኣብ ትርፊ ግዜ እንታይ ትገብር ? ኣብ ከተማ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ።

ባህሊ

ባህሊ ትፈቱዶ? ኣብ ከተማ ንኣብነት ቤተ መዘክር ሲነማ ትያትሮ ሙዚቃዊ ትርኢት ኣሎ። ሲነማታት ብዙሕ ግዜ ኢንተርናሽናል ፊልም ኦርጂናል ዝኾነ ምስ መግለጺኡ OmU ኦ ኤም ዩ የቕርባ። ኣብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ወይ ውን ናይ ከተማ ቤት መጻሕፍቲ ብዘይ ገለ ዋጋ ወይ ውን ቁሩብ ከፊልካ መጻሕፍቲ ክተንብብን ሙዚቃ ክተሰምዕን ፊልም ክትሪኢን ትኽእል። ነቲ መጻሕፍትን ፊልምን ወይ ውን ሴደ ድማ ትልቅ ሖ። ንገዛ ወሲድካ እንደገና ትመልሶ።

Ansicht auf die Vorderseite der Münchner Staatsoper © Goethe-Institut

ሕዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ማሕበራትን ክለባትን 

ኣብ ብዙሕ ቦታት ሕዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ይርከባ። ኣብኡ ልዕሊ ኩሉ ንዓበይቲ ዝኸውን ንኣብነት ናይ ሳዕሳዒት ወይ ናይ ቋንቋ ኮርስ ይወሃብ። ነዚ ዝቕጽል ሊንክ www.vhs.de ናይ ሕዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ከባቢካ ዝርከብ ተመልከት። 



ስፖርት ትፈቱ ዶ ? ነዚ ዝምልከት ኮርስ ኣብ ሕዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ውን ኣሎ። ወይ ውን ኣብ መሓንበሲ ቦታ ወይ ኣብ ናይ ስፖርት ክለብ ክኽየድ ይከኣል።  

ካልእ ተኽእሎታት ናይ ማሕበራትን ክለባትን ኣሎ። ኣብ ሓደ ማሕበር ብዙሓት ሰባት ናይ ሓባር ረብሓን ዕላማን ዘለዎ ይእከቡ ንኣብነት ናይ ሙዚቃ ናይ ስፖርት ናይ ኮኮ ወይ ናይ ኮምፒተር ክለብ ኣሎ። ንዓበይትን ንመንእሰያትን ዝኸውን ማሕበራትን ውን ኣሎ። ንዓበይትን ንቆልዑትን መብዝሕትኡ ግዜ ዋጋ ዝይክፈሎ ቀረብ ይርከብ። ንናእሽቱ ቆልዑት ንኣብነት ኣብ ገለ ቦታት ናይ ጸወታ ጉጅለ ኣሎ።

Ansicht auf einen Barausschank,links steht ein lachender Barkeeper. Viele Aufkleber und die Farbgestaltung weisen auf den FC Bayern hin. © Goethe-Institut

መናፈሻን ገደናን

ብዙሕ ጊዜ ደገ ትናፈስ ዶ ? ኣብ ነፍስ ወከፍ ከተማ መናፈሻ ኣሎ ንቆልዑት ብዙሕ ናይ መጻወቲ ቦታታት ኣሎ ፡፡ መብዝሕትኡ ኣይክፈሎን እዩ ፡፡ ኣብ ናይ ኣታክልቲ መናፈሻ ፡ ፍሉያት ኣታክልቲ ክትሪኢ ትኽእል፡፡ ካብ ሙሉእ ዓለም እንስሳታት ድማ፡ኣብ መዕቆቢ ኣንስሳታት / ዙ / ትረክብ። ንመናፈሻ ኣታኽልትን መዕቆቢ ኣንስሳታትን ግን ገለ ቁሩብ ገንዝብ መእተዊ ትከፍለሉ ኢኻ። ኣብ ልዕሊኡ ብዙሓት ኣውራጃታት ጀርመን ፡ ቀላያትን ጫካታትን ጎቦታትን ዝርከብ ኮይኑ ፡ ምናልባት ውን ንስኻ ኣብቲ ጥቓ ባሕሪ ትህሉ ትኸውን ፡፡ ኣብኡ ብምኻድ ንባህርይ ተስተማቕራ።

ኣብ ገዛኻ

ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዛ ወይ ተለቪዝን ይርእዩ ወይ ራድዮ ይሰምዑ። ነፍስ ወከፍ ስድራ ቤት ኣብ ጀርመን ናይ ገዛእ ርእሱ ራድዮን ተለቪዥን ከምዝግብን ወርሓዊ ክፍሊት ክከፍልን ኣለዎ። እዚ ክፍሊት እዚ 17 ኤውሮን 98 ሳንቲምን ንወርሒ እዩ። እቶትካ ውሕድ ምስዝኸውን ክትከፍል የብልካን። 

ምናልባት ኣብ ገዛኻ ካንቸሎ ወይ በረንዳ ኣሎዶ ? ኣብኡ ኩሉግዜ ኩሉ ነገር ምግባር ኣይፍቀድን ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኩለን ገዛውቲ ኣብ በረንዳ ስጋ ምጥባስ / ግሪል/ ኣይፍቐድንዩ፡፡ ኣብቲ መምርሒ ኣጠቓቕማ ገዛ ዝርከብ ሓበሬታ ተመልከት። 

ንትርፊ ግዜ ዝርከብ ሓበሬታ ናይ ከባቢኻ ከተማ ወይ ኣባይቲ ዝርከብ ኣብ ኣንተርነት ከተማ ትነብረሉ / ከባቢኻ ፡ .ተመልከት።

Ansicht auf einen See mit Bergpanorama im Hintergrund. Aus der Vogelperspektive sieht man im Vordergrund Wanderer. © Goethe-Institut

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form