Nahaufnahme auf einen Tisch im Freien mit einem Getränk darauf. Man sieht einen Arm einer Person, die ein Smartphone bedient. © Goethe-Institut

ሓደ ሰብ ኣብ ጀርመን ካብ ሃገሩ ሒዝዎ ብዝመጸ ሲም ካርድ ክድውል ምስ ዝደሊ ኩሉ ግዜ ሽግር ኣለዎ ። መብዝሕትኦም እቶም ሲም ካርድ ኣብ ጀርመን ኣይሰርሑን እዮም ። ብዘይ ንሱ ብናይ ወጻኢ ሲም ካርድ ምድዋል ኣዝዩ ክቡር እዩ ።

ኣብ ጀርመን ብቐሊሉ ንምድዋል ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ ።ካብ ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ክትረኽበሎም እትኽእል ዝርዝር ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት እነሆ ።

ናይ ሄንዲ/ ሞባይል ውዕል

እቲ ሓደ መንገዲ ናይ ሄንዲ/ሞባይል ውዕል ምእታው እዩ ። ነዚ ንኽትገብር ናይ ጀርመን ናይ ባንክ ሕሳብን መንነት ወረቐትን የድልየካ ። እቲ ወሃብ ኣገልግሎት ንኽትከፍል ዓቕሚ ምህላውካን ዘይምህላውካን የረጋግጽ ። ተጠንቀቕ ! ከይተረዳኣካ ዝኾነ ውዕል ኣይትፈርም፡ ክትርጉምልካ ኣብ ዝኽእሉ ሰባት ሒዝካያ ኪድ ። ሓደ ናይ ሄንዲ / ሞባይል ውዕል ዝበዝሕ ግዜ ንክልተ ዓመት እዩ ዘገልግል ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ምእካሉ ካብቲ ውዕል ምስሓብ ኣይከኣልን እዩ ። እቲ ውዕል ክሳብ ዘሎ እቲ ክፍሊት መብዝሕትኡ ግዜ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ይፍጸም ። ኣስተውዕል ! እቲ ውዕል ግዜኡ ምስ ኣእከለ ክትቅይር ትደሊ ? ነቲ ውዕል ኣብ ልክዕ ግዜኡ ከትስሕብ/ ከተቋርጽ ኣለካ ። መብዝሕትኡ ግዜ ሰለስተ ወርሒ ቅድሚ እቲ ውዕል ዝውዳኣሉ ግዜ ክትገብሮ ኣለካ ። እዚ ምስ ዘይትገብር እቲ ኣቐዲምካ ዝኣተኻዮ ውዕል ኣውቶማቲካሊ ይናዋሕ ።

Ein Mann lehnt an einem Laternenpfahl und telefoniert mit seinem Handy. © Goethe-Institut

ቅድመ ክፉል ሲም ካርድ

እቲ ካልእ ኣማራጺ ቅድመ ክፉል ሲም ካርድ እዩ ። እዚ ካርድ እዚ ኣብ ሱፐርማርከት ፡ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ፡ ኣብ ነኣሽቱ ድኳናት ብሕሱር ክትገዝኦ ትኽእል ። ነዚ ውን ውዕል ክትኣትወሉ ኣለካ ። ንኽትከፍቶ ኣድራሻኻ ክትህባ ኣለካ ።እንተ ደኣ ካብ መሸጢ ሞባይል ድኳን ገዚእካዮ ፡ ነቲ ካርድ ኣብቲ ድኳን ክትከፍቶ ትኽእል ኢኻ ።ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም ። እንተ ደኣ ኣብ ሱፐርማርከት ገዚእካዮ፡ ነቲ ካርድ ብተሌፎን ክትከፍቶ ትኽእል ኢኻ ።

እቲ ቅድመ ክፉል- ሲም- ካርድ ምስ ከፈትካዮ ነቲ ካርድ ገንዘብ ክትጽዕኖ ትኽእል ኢኻ ። እቲ ዝጸዓንካዮ ገንዘብ ንኽትድውልን ፡ ኤስ ኤም ኤስ ክትጽሕፍን ፡ ኢንተርነት ክትጥቀምን ይሕግዘካ ። ነቲ ካርድ መሊስካ ክትጽዕኖ ገንዘብ ዘለዎ ካርድ ክትገዝእ ኣለካ፡። እዚ ገንዘብ ዝሓዘለ ካርድ እዚ ካብቲ ሲም ካርተ ዝግዝኦ ድኳን ፡ ከም ኣብነት ሱፐርማርከት ፡ መዐደሊ ነዳዲ ወይ ውን ነኣሽቱ ድኳናት ክግዛእ ይከኣል ። እዚ ገንዘብ ዝሓዘለ ካርድ ብዙሕ ቍጽርታት ኣለዉዎ ። ሞባይልካ ክትጽዕና እንተ ደሊኻ እዚ ቍጽሪ ክትህባ ኣለካ ።

ካብ ጀርመን ናብ ወጻኢ ሃገር ክትድውል ደሊኻ ? ሓጻር ንኽትድውል ናይ መራኸቢ ግብሪ 15 ሳንቲም ትኸፍል ።ዝያዳ ናብ ሶርያን ኤርትራን ናብ ባልካን ሃገራትን ምድዋል ኣዝዩ ክቡር እዩ ። ኣብ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርዝር ዋጋታት ኣለዎም ።

ብሕሱር ንኽትድውል እትኣትዎ ወብሳይት



ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ዋጋታት ብምውሳኽ ገለ ደቓይቕ ብዘይ ተወሳኺ ክፍሊት ናብ ወጻኢ ምድዋል ይከኣል እዩ ።

In einem Geschäft hängen viele verschiedene SIM-Karten von verschiedenen Anbietern auf einer Verkaufsstange. © Goethe-Institut

ኣብ ሞባይል ዝተኸ ዘነ ሓበሬታ (Mobile Daten)

ብስማርትፎን ቅድመ ክፉል- ሲም- ካርድ እንተ ደኣ ሃልዩካ ኣብ ኢንተርነት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ ፡ እቲ ዝጸዓንካዮ ገንዘብ ግን ቀልጢፉ ክውዳእ ይኽእል እዩ ። ኣብ ገለ መደባት ግን ናይ ክፍሊት ስምምዕ ብምግዛእ ክሓስረልካ ይኽእል እዩ ።በዚ ድማ ዝተወሰነ ክፍሊት ብምግባር ንዝተወሰነ መዓልትታት ኣብ ኢንተርነት ኣቲኻ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ ወይ ውን ብርክት ዝበሉ ክፍሊት ብምግዛእ ዝያዳ ክትትቀም ትኽእል ።

Ein Mann sitzt vor einem Café und nutzt sein Smartphone. © Goethe-Institut

ቪላን

ዝኾነ ሰብ ኢንተርነት ብነጻ ክጥቀም እንተ ደልዩ ናይ መራኸቢ ቪላን ክጥቀም ኣለዎ ። ኣብ እንዳ ቡን /ካፈ ኣብ ቤት ንባብ ፡ ህዝባዊ ህንጻታትን ናይ ነጻ መራኸቢ ቪላን ኣሎ ። ናይ ነጻ መራኸቢ ቪላን ክትጥቀም እንተ ደሊኻ እቲ ነጻ ሆትስፖት ዝብል ወብሳይት ኣብቲ ዘለኻዮ ከባቢ ብነጻ ኢንተርነት ክትኣትወሉ እትኽእል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ።

Video International Sign

 

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form