Leben mit Behinderung Foto (Ausschnitt): VGstockstudio/ Shutterstock.com
ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ናይ ወድብ ሃገራት ናይ ስንክልና ውዕል (ኮንቨንሽን)ኣብ ሃገር ጀርመን ተግባራዊ ኮይኑ። በዚ መሰረት ኩሎም ምስ ስንክልና ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወት ማዕረ ናይ ተኻፋልነት ዕድል ክህልዎም ናይ ግድን እዩ። ኣብ ጀርመን ኩሎም ተጠቀምቲ ናይ ስንኩላን ብሽግለታ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ኩሉ መንግስታውያንን ህዝባውያንን ትካላት፡ ከምኡ‘ውን ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ብዘይ ጸገም ክንቀሳቐስሉ ናይ ዝኽእሉሉ ባይታ ንምጥጣሕ  ከም ዝስረሓሉ ይፍለጥ።

ዓይነ-ስውራን ብዘለዎም ፍሉይ ምልክት ይልለዩ። እቲ ምልክት ሰለስተ ጸለምቲ ነጥብታት ኣብ ልዕሊ ብጫ ዝሕብሩ ገበር ኮይኑ፡ ኣብ ቅልጽሞም ዝእሰር ናይ ዓይነ-ስውራን ማዕጠቕ፡ ምርኩስን እንሓንሳብ ድማ ብፍሉይ ዝተመልመለ ናይ ዓይነ ስውራን ከልቢ  ካብቶም ገለ መለለይ ናይ ዓይነ-ስውራን እዮም። ብዙሓት ናይ ትራፊክ መብራህትታት ፍሉይ ዝኾነ ድምጺ የቃልሓ። በዚ ድምጺ‘ዚ ተሓጊዞም ድማ ዓይነ-ስውራን መዓስ መንገዲ ከቋርጹ ከምዘለዎም ይፈልጡ። ዓይነ-ስውራን ብፉሉይ ከንብብዎ ዝኽእሉ ጽሕፈት‘ውን ኣብ ቡዙሕ ህዝባውን መንግስታውን ህንጻታት ተጻሒፎም ኣለዉ። 

መሰላት እንድሕር ከረጋገጹ ዘይከኣሉ ድማ፡ እንሓንሳብ ንዓይነ-ስውራን ከም ሙሉኣት ሰባት ካብ ዘይምቕባል (ዲስክሪሚኔሽን) ክኽውን ይኽእል እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ኢንተርነት ገጻትና ተመልከቱ።

Man sieht eine Hebevorrichtung mit einem blau-weißen Aufkleber, der ein Symbol mit einem Rollstuhlfahrer zeigt. © Goethe-Institut
 

Video International Sign