Man sieht eine Straße in Berlin mit vielen Menschen, die über die Straße gehen und einem Bus und Trams im Hintergrund. © Goethe-Institut

ብእግርን ብብሽኽለታን

ኣብ ሃገረሰብን ኣብ ናእሽቱ ከተማን ኣብቲ ትደልዮ ቦታ ብእግሪ ትበጽሕ። ኣብ ጀርመን ብዙሓት ሰባት ናብ ሱፐር ማርከት ወይ ስራሕ ብብሽኽለታ ይጓዓዙ። ኣብ ብዙሕ ጎደናታት ናይ ብሽክለታ መንገዲ ኣሎ። ናይ ብሽክለታ መንገዲ ኣብዘይብሉ ቦታ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ኣብ ጽርግያ ብብሽኽለታ ክኸዱ ይግባእ። ቆልዑት ክሳብ 8 ዓመት ዝመልኡ ብማርሻፔዲ ክጓዓዙ ይግደዱ። ቆልዑ ክሳብ 10 ዓመት ዝመልኡ እውን ብማርሻፔዲ ክኸዱ ይኽእሉ። ንናይ እግሪ ተጓዓዝትን ንናይ ብሽክለታ ዘወርትን ካልእ ንጉዕዙ ዝምልከትን ሕጋዊ መምርሒታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ቀይሕ መብራህቲ ጢሒስካ ሓሊፍካ ዶ? ወይ ውን መብራህቲ ናይ ብሽክለታኻ ተበላሽዩ ከሎ ዘዊርካዶ ? ፖሊስ ነዚ ምስዝርኢ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ የኽፍለካ።

Ansicht auf einen Gehweg mit abgestellten E-Rollern und Fahrrädern, im Hintergrund drei junge Männer und ein Schild einer Curry-Wurst-Bude. © Goethe-Institut

ብ ሕዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ

ኣብ ከተማታት ሕዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምእኒ ኤስ ባን ፡ ኡ ባን ፡ እሽትራሰን ባን ፡ ኣብ ደቡብ ጀርመን ድማ ትራም ባን ወይ ኣውቶቡስ ኣሎ። ናይ መጓዓዚ ትኬት ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ኣውቶማት ኣብ መዕረፊ ባቡር / ባንሆፍ / ወይ ኣብ መዕረፊ ኣውቶቡስ ዝርከብ ይዕድግ። ንመጓዓዚ ካርድ ዝኸውን ናይ መሸጣ ቦታ ኣብ መዕረፊ ባቡር /ባንሆፍ/ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜውን እቲ ቲኬት ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ውን ይግዛእ እዩ። ከምኡ ውን ሓደ ሰሙናዊ ካርድ ወይ ወርሓዊ ካርድ ወይ ውን ዓመታዊ ካርድ ክግዛእ ይከኣል። ብዙሕ ግዜ ናይ ሕዝቢ መጓዓዝያ ምስእትጥቀም እዚ ዝሓሸ እዩ። ቆልዑት ተማሃሮ ከምኡ ድማ፡ ተማህሮ ዩኒቨርስቲን ስንኩላንን ኣረጋውያንን መብዝሕትኡ ግዜ ናይ ዋጋ ቅንሽ ኣለዎም። ዝወሓደ ይኸፍሉ። ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ተቆጻጸርቲ ቲኬትኣለው። ኣብ እዋን ምቁጽጻር ናይ ተሳፋሪ ትኬት ምስዘይተርኢ ናይ ገንዘብ መቅጻዕቲ ትስሕን። 

ኣብ መዕረፊ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ናይ ጉዕዞ ሰዓታት መደብ ኣሎ። ኣብዚ መደብ እዚ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን መኣስን ኣበይን ይጓዓዛ የርኢ። ብተወሳኺ ብዛዕባ እዚ ኣብ መርበብ ኢንተርነትን ናይ ቨርከርስ በትሪበ ኣንብብ።

In einer Unterführung sieht man ein Fahrrad, zwei E-Roller und beklebte Säulen, im Hintergrund fährt eine Tram vorbei. © Goethe-Institut

ብመኪና

ኣብ ከተማ ውን ብዙሓት ሰባት ብናይ ገዛእ ርእሶም መኪን ይጓዓዙ። ኣብ ከተማታት ናይ መዓሸጊ ቦታን መዓሸጊ ኣደራሻትን ኣሎ። ኣብ ወሰን ጽርጊያ ዝርከብ ሰለዳ ናይ መዓሸጊ ተኽእሎታት ይሕብረካ። መብዛሕትኡ እዋን ነዚ ናይ መዓሸጊ ቦታ ትከፍለሉ። መኪና ክትዝውር እንከለኻ ናትካ መምርሒ ፍቓድ ፓተንቲ ከምኡውን ናይ መኪና ወረቐት ሊብረቶ ናይ ግድን ይህልወካ። ፖሊስ ኣብ እዋን ምቁጽጻር ነዘን ወረቓቕቲ ይሓተካ።

መገሻ

ናብ ካልእ ናይ ጀርመን ከተማ ወይ ንወጻኢ ዶ ክትገይሽ ትደሊ ከምዚ ምስዝኸውን ብባቡር ብነፋሪት ወይ ብኣውቶቡስ ተኽእሎታት ኣሎ። መዕረፊ ኣውቶቡሳት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከተማታት ኣብ ጥቓ መዕረፊ ባቡር /ባንሆፍ/ ይርከብ። ናይ ባቡር መገሻ ከምግቡእ ብናይ ጀርመን ባቡር ደ በ DB ይኸውን። ብዙሕ ግዜ ቅናሽ ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ ምስዝምዝገብ ናይ ተጓዓዝቲ ቲኬት ብሕሱር ይረክብ። ጉዕዞ ብነፋሪት ኣሎ። ናብ ደሴታት ኖርድሰን ኦስትሰን ከኣ ብዓበይቲ መራኽብ ይግየሽ።

Ansicht auf ein Bahnhofsgebäude, oben ist ein abgeschnittenes Deutsche Bahn-Logo zu sehen, außerdem Wegweiser zu den Gleisen. © Goethe-Institut

Video International Sign

ኣብ ውሽጢ ኸተማ ኣብ ጕዕዞ

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form