Kursteilnehmende machen eine Wortübung auf dem Tisch. Zu sehen sind Wortkarten und Lehrbücher. © Goethe-Institut

ተኻፋልነት

ኣብ ጀርመን ሓድሽ ምጻእ ኮንካ ቋንቋ ክትማሃር ዶ ትደሊ ? ኣብ ናይ ምውህሃድ ኮርስ ክትካፈል ኣለካ ። ንስኻ ቋንቋ ጀርመን ዘይትፈልጥ ወይ ኣፋፍኖት ዘለካ ጥራይ ምስእትኸውን ፡ ናይ ምክፋል ግዴታ ኣለካ። 

እዚ ማለት ናይ ምውህሃድ ኮርስ ክትካፈል ትግደድ። ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ፡ ወረቐት ዝርዝር ናይ ኮርስ ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣካላት ፡ ማለት ናይ ቋንቋ ኣብያተ ትምህርቲ ትህበካ ። ብድሕሪኡ ንስኻ ኣብቲ ጥቓካ ዝርከብ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ተመልክት። 

ኩሉ ኣድራሻታት ናይ ምውህሃድ ኮርስ ሓለፍቲ እውን እንተኾነ ኣብ ኣገዳሲ ኣድራሻታት ትረኽቦ። ኣብኡ እቲ ናይ ኮርሳት ሓለፍቲ ኣብ ጥቓካ ዝርከቡ ተናዲ። ኣቲ ዝረኸብካዮ ሓበሬታን ውጺኢትን ፡ ንኣብነት ኣድራሻን ፡ ቁጽሪ ተለፎንን ድማ ኣብቲ ካርታ ትረኽቦ።

Der Ablauf eines Integrationskurses ist auf einem Whiteboard schematisch dargestellt. © Goethe-Institut  

ምምዛን ብቕዓት ፡ ሰዓታትን መርመራን

ብድሕሪ ምዝገባ ፡ ኣብቲ ናይ ኮርስ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ናይ ብቕዓት መርመራ ትወስድ። ከምዚ ብምግባር ንዓኻ ዝሰማማዓካ ኮርስ ይርከብ። ዝኽፈሎ ዋጋ 2 ኤውሮን 29 ሳንቲምን ንሓንቲ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜ / ፐርየድ / እያ። ኣዝዩ ትሑት ኣታዊ እንተለካ ግን ፡ ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ፡፡ ብተወሳኺ እኳደኣ ናይ ትራንስፖርት ዋጋ ይኽፈለልካ። ናይ ምውህሃድ ኮርስ ፡ ናይ ቋንቋ ኮርስን ናይ ምልላይ ኮርስን ዘጣመረ ትምህርቲ እዩ። 

ሓደ ስሩዕ ናይ ቋንቋ ኮርስ 700 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ይሕዝ። ኣብዚ ሓደ ሰብ ምስ ማዓልታዊ ኣርእስትታት ዝሰማማዕ ቋንቋ ማለት ዕዳጋ፡ ናብራ፡ ቆልዑት፡ ዜና ማዕከን፡ ናጽነት፡ ቤት ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ከምኡውን ምብጻሕ ሓኪም ይመሃር። 

ኣብ መወዳእታ ፡ ናይ መዛዘሚ ፈተና ቋንቋ ጀርመን ንሓደስቲ ምጻእ ትፍተን(‚‚Deutschtest für Zuwanderer‘‘)። ብድሕሪ ናይ ኮርስ ፈተና ‚‚Zertifikat Integrationskurs‘‘ ዝተባህለ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ። ብደረጃ A2 ወይ B1 ቋንቋ ጀርመን ክትዛረብን ክተንብብን ክትጽሕፍን ትኽእል ማለት እዩ። ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ነዚ ምስኽር ወረቐት እዚ ክርእዩ ይደልዩ። ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ፡ ንኣብነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ሓደ ሓደ ግዜ የድልየካ እዩ። ዜግነት ክትወስድ ምስትደሊ ማለት ጀርመናዊ ክትከውን እንተደሊኻ እታ ‚‚Zertifikat Integrationskurs‘‘ እትብል ምስክር ወረቐት ኣዝያ ሓጋዚት እያ። 

መዛዘሚ ፈተና ኣይሓለፍካን ? እንደገና 300 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ይውሰኸካ ነቲ ፈተና ድማ ካልኣይ ጊዜ ትደግሞ።

Ein Kursteilnehmer ist im Klassenzimmer zu sehen. © Goethe-Institut

ፍሉያት ኮርሳት

27 ዓመት ዘይመልኡ መንእሰያት ሓደ ፍልይ ዝበለ ናይ ምውህሃድ ኮርስ ማለት ናይ መንእሰያት ኮርስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ይወሃቦም። ናይ ሞያ ትምህርቲ ንምቕሳም ኣብ ዝድለየሉ እዋን ሓጋዚ ኮርስ እዩ። ሓበሬታ ኣብ  Bundesamt für Migration und Flüchtlinge ክትረክብ ትኽእል።

ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ውን ፡ ፍሉይ ናይ ኮርስ ቀረብ ኣሎ ፡ ንደቂኣንስትዮ ዝወሃብ ማለት እዩ። እዚ ኮርሳትዚ ፡ ምጥፋእ ማሃይምነትን ከምኡውን ኮርሳት ናይ ምሕብሓብ ቆልዑትን የጠቓልል ። ነዚ ዝምልከት ሕቶ እንተለኪ ፡ናታ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ሕተቲ ተመልከት።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form