Ein Bräutigam steckt seiner Braut den Ehering an den Finger. © Goethe-Institut

ሰነዳት

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ምዝገባ ቃልኪዳን ይኣስሩ ፡፡ እዚ መንግስታዊ መርዓ ይባሃል። ኣብ ጀርመንውን ከምኡ እዩ። ብተወሳኺ ውን ሰብ ኣብ ቤተክርስትያን ውን ቃልኪዳን ይኣስር እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ቃልኪዳን ድሕሪ ናይ መንግስቲ መርዓ ይካየድ። 

ኣብ ጀርመን ክትምርዖ ዶ ትደሊ ? ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ኣመልክት፡፡ ንመመልከቲ ዝድልየካ ገለ ዶኩመንትታት ናይ ነባርነት ሰነድ ናይ መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት ናይ ልደት ምስክር ወረቐት እያተን። ምስ መጻምድኻ ወይ መጻምድኺ ቆልዓ ኣለካዶ ? እቲ ዶኩመንት ናይ ደቕኻ ክተምጽኦ ይግባእ። ነቲ ዶኩመንት ወይ ሰነድ ናብ ቋንቋ ጀርመን ክተተርግሞ ኣለካ፡፡ ትኽክለኛ ትርጉም ከምዝኾነ ኖታዮ ይፍርመሉ። ነቲ ትርጉም ብቕዓቱ የረጋግጽ። 

ምስተመርዓኻ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ሓደ ሓድሽ ሰነድ ይወሃበካ፡ ናይ ሰብ ቃልኪዳን ወይ ውን ናይ ሰብ ሓዳር ምስክር ወረቐት እዩ። እንተደሊኻ ውን ናይ ስድራ ቤት ደብተር ሓረገ ትውልድ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘለ ሰነድ ይወሃበካ። 

ኣብ ሃገርካ ድሮ ተመርዒካ ዲኻ ? ከምዚ ኣንተ ኮይኑ ፡ ብርግጽ ሓደ ሰነድ ኣለካ ማለት እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ናይ ወጻእተኛታት ምስክር ቃልኪዳን ወይ ሰነድ ሰብ ሓደር እዩ። ነቲ ሰነድ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ብምኻድ ናይ ጀርመን ብቕዓቱ ተመስክረሉ። 

መርዓ

መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ መርዕኦም ዲቕ ዝበለ ጓይላ ይገብሩ፡፡ እታ መርዓት ጻዕዳ ናይ መርዓት ክዳን ትኽደን፡፡ ብዙሓት መርዑ ናይ መርዓ ቀለበት ይዕድጉ፡፡ ኣብ መርዓ እቲ መርዓዊ ነታ መርዓት ቀለበት ትገብረሉ ። ንሳ ድማ ካብቲ ሰብኣያ ቀለበት ትወስድ። ንዛያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝምልከት ኣርእስቲ ‚‚Internationale Eheschießung‘‘ ኣብ  Internetseiten des Auswärtigen Amts ‚‚Ehegattennachzug‘‘ ‚‚Willkommen in Detuschland‘‘ BAMF ተመልከት።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form