Europäische Union © iStock

መእተዊ

ብመሰረት ናይ ወርሒ 01/2020 ጸብጻብ፡ ኢወሮጳዊ ሕብረት 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበር እዩ።  ኩሉ ሰነዳትን ሓበሬታትን ኢወሮጳዊ ሕብረት ብ24 ወግዓውያን ቋንቋታት ናይ‘ዚ ሕብረት ድልዉ ኮይኑ ይርከብ።  ፖሎቲካዊ ስርዓት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክልተ ውዕላት ዝተሰረተ እዩ።  (ውዕል ብዛዕባ ኢወሮጳዊ ሕብረትን ውዕል ብዛዕባ ኣገባብ ስራሕ ናይ ኢወሮጳዊ ሕብረትን)። ኢወሮጳዊ ሕብረት ብ5 ክፍልታት ይመሓደር።  ኤውሮጳዊ ሕብረት ቤት-ምኽሪ፡ ቤት-ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቤት-ፍርዲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን እዮም።

Der Checkpoint Charly in Berlin zeigt die Geschichte Deutschlands. © Goethe-Institut

ታሪኽ

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡  ኣብ 1950ታት ጀርመን ካብተን 6 ሃገራት ሓንቲ እዚ ናይ ሎሚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝመስረታ ሃገር እያ።  ኣብ ፈለማ ዝነበረ ቁጠባዊ ሕብረት ዕላምኡ ብቐንዱ ኣብ ምትብባዕን ምሕያልን ነቲ ብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዝግበር ንግዲ ዝዓለመ እዩ ኔሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ 2002 ኣብ መንጎ 18 ሃገራት እዚ ሕብረት፡ “ኦይሮ“ እንዳተባህለ ዝፍለጥ ሓደ ናይ ሓባር ባጤራ ከምዝተኣታቶ ተጌሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓደ ናይ ሓባር ፖሎቲካ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኮይኑ፡ ክሊማዊ ለውጢ ዕቃበ-ኣከባቢ፡ ጥዕና፡ ወጻኢ ዝምድና፡ ጸጥታ፡ ሕግን ፍልሰትን ኣካሉ እዮም።

ዕላማን ክብርታትን፡

ዶብ ዘይብሉ ምኹስኳስን ምውሓስን ሰላም፡ ማሕበራዊ ዕብየት፡ ሓርነት፡ ጸጥታን፡ ሕጋውነትን፡ ካብቶም ዕላማታት ናይቲ ሕብረት ኮይኑ፡ ሓባራውነት፡ ተጻዋርነት፡ ሕጋውነት፡ ምድግጋፍን ዘይምፍልላይን ድማ ካብቶም እዚ ሕብረት ኣብ መንጉኡ ዘተኣሳስሮ ክብርታት እዮም።  እዚ ሕብረት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ እዘን ሓቚፍወን ዘለዋ ሃገራት ዝኾነ ኩናት ተኸሲቱ ኣይፈልጥን።
 
ማዕርነት ሓደ ካብቲ ካልእ ክብርታት ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት እዩ። እዚ ማለት፡ ኩሎም ነበርቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሓደ ዝኾነ መሰል ኣለዎም ማለት እዩ። ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ኣካል ናይቲ ኩሉ ፖሎቲካዊ መስርሕ ኮይኑ፡ ሰረት ናይቲ  ኤውሮጳዊ ኢንግተረሽን‘ውን እዩ።  ኣብ ኩሉ መዳይ ሂወት ድማ የገልግል። ሽሕ‘ኳ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ሓደ ዓይነት ክፍሊት ዝብል መትከል ኣብ1957 ብውዕል እንተጸደቐ፡ ሙሉእ ብሙሉኡ ግን ዛጊት ግብራዊ ክኽውን ኣይከኣለን ዘሎ።   

Auf einer Ampel zeigt das rote Licht ein gleichgeschlechtliches weibliches Paar und das grüne Licht ein gleichgeschlechtliches männlichs Paar. © Goethe-Institut

ማዕርነት ዝረጋገጸሉ ክፍሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት

ዕላማ ናይቲ ማዕርነት ዝረጋገጸሉ ክፍሊ ድማ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ንሰራሕተኛታት ዝዓለመ ዝስረሓሉ ዘሎ ኩሉ መሰላት ኣብ ምርካብ ምትሕግጋዝ ማለት እዩ። ንመሰልን ካልእን ዝምልከት ነጻ ዝኾነ ምኽራዊ ሓገዝ ድማ፡ ሓደ ካብቲ እዚ ክፍሊ ዝህቦ ደገፍ እዩ።  ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ፡ ብቋንቋታት ጀርመን፡ ኢንግሊዝ፡ ፖሊሽ፡ ስፓኒሽ፡ ፈረንሳ፡ ሩመንያ፡ ቡልጋርያ ድልዉ ኮይኑ ኣሎ።
 
 

Video International Sign

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form