In einem offenen Geldbeutel sind Münzen, Geldscheine und Kreditkarten zu sehen. Der Geldbeutel liegt auf einer Zeitung. © Goethe-Institut

ባንክ ሕሳብ

ናይ ባንክ ሕሳብ ኣብ ጀርመን ትነብረን ትሰርሕን እንተኾንካ ናይ ባንክ ሕሳብ የድልየካ። ናትካ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ኣብ ሓደ ባንክ ወይ ኣብ ቁጠባ ባንክ ክትከፍት ትኽእል። መብዛሕተኣን ባንክታት ከምኡከኣ ናይ ቁጠባ ባንክታት ጨናፍር ኣለወን ፡ ገለ ባንክታት ድማ ብኢንተርነት ጥራይ ትጥቀመለን ኣለዋ። መብዛሕትኡ እዋን ንሓደ ናይ ባንክ ሕሳብ ፡ ቁሩብ ናይ ባንክ ኣገልግሎት ትኸፍለሉ ኢኻ። ኣብ ዩኒቨርስትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝመሃሩ ግን እቲ ናይ ባንክ ኣገልግሎት ገንዘብ ኣይክፈልን እዩ። ዝተፈላለየ ናይ ባንክ ሕሳባት ኣሎ ፡፡ ኣብ ገላ ሕሳብት ካብቲ ዘለካ ጥራይ ክትወስድ ትኽእል ማለት ካብቲ ድሮ ዘቐመጥካዮ። ኣብ ገለ ናይ ለቓሕ ሕሳባት ድማ ወላውን ገንዘብ ኣንተዘይብልካ ካብቲ ሕሳብ ገንዘብ ክተውጽእ ትኽእል። ባንክ ክሳብ ውሱን ብዝሒ ዘለዎ ለቓሕ ተለቓሓካ ፡፡ ይኹን እምበር ነታ ባንክ ግን እቲ ዝወሰድካዮ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ከምኡውን ወለድ ትመልሶ። መብዝሕትኡ እዋን ኣቲ ወለድ ኣዝዩ ላዕሊ እዩ።

ምክፋት ናይ ባንክ ሓሳብ

ሓድሽ ሕሳብ ክትከፍት ትደሊ? ኣብዝኾነ ጨንፈር ክትገብሮ ትኽእል። እታ ባንክ ወይ ናይ ቁጠባ ባንክ ኩሉ ግዜ ብመጀመርያ ናትካ መንነት ተጻሪ እያ ፡፡ ናትካ መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት ተርኢ። 

ካብ ብዙሓት ባንክታት ሓደ ናይ ባንክ ሕሳብ ብደብዳቤ ወይ ኦንላይን ክኽፈት ይከኣል። ነዚ እቲ ናይ ፖስታ ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ ትኽእል ማለት ካብ ባንክ ወይ ካብ ቁጠባ ባንክወረቓቕቲ ትቕበል። ወረቓቕቲ ሒዝካ ፓስፖርት ወይ ናይ መንነት ወረቐት ከይፈለኻ ናብ ፖስታ ቤት ትኸይድ። ኣብኡ መንነትካ ይልለ። ሓድ ሓደ ግዜውን ሓድሽ ሕሳብ ንምኽፋት ናይ ነባርነት መመዝገቢ ወረቐት ሒዝካ ምኻድ የድልየካ። 

Ein Mann sitzt an einem Laptop und tätigt eine Online-Überweisung. © Goethe-Institut

ብባንክ ምትሕልላፍ ገንዘብ

ን ገዛ ክራይ ን ደሞዝን ዝኸውን ሓደ ናይ ተቀሳቓሲ ባንክ ሕሳብ የድሊ። ወሃቢ ስራሕ እቲ ደሞዝ ብባንክ ምትሕልላፍ ይኸፍል። ንስኻውን ብወገንካ ክራይ ናይ እትነብረሉ ገዛ ብባንክ ምትሕልላፍ ትኸፍል። ንስሩዕ ዝኾነ ብባንክ ምትሕልላፍ ሓደ ቀጻሊ ናይ ክፍሊት ውዕል ክትገብር ትኽእል ። ንካልእ ናይ ብባንክ ምትሕልላፍ ግን ኣብ ባንክ ወይ ኣብ ናይ ቁጠባ ባንክ ሓደ ወረቐት ናይ መተሓላለፊ ቅጥዒ ይወሃበካ። ክንደይ ገንዘብ ክተመሓላልፍ ትደሊ? መን እዩ እቲ ገንዘብ ዝቕበሎ? እቲ ሓበሬታ ኣብታ ናይ ምትሕልላፍ ቅጥዒ ትመልኦ። ቀጺልካ ነት ቅጥዒ ንባንክ ወይ ን ቁጠባ ባንክ ትህባ። ገንዘብካ ብኢንተርነት ዶ ክተመሓላልፍ ትደሊ? ሕሳብ ክትከፍት ኣንከለኻ ኦንላይን ባንኪንግ ወይ ሆም ባንኪንግ ከምዘድልየካ ተፍልጦም።

Eine Person zieht eine Kreditkarte aus einem Geldbeutel. © Goethe-Institut

ኤለትሮኒክ ካርድ ኤሰ ካርተ ወይ ናይ ለቓሕ ካርድ

ናትካ ን ተቀሳቃሲ ባንክ ሕሳብ ዘገልግል ሓደ ኤለትሮኒክ ካርድ ትቕበል። እንተደለኻውን ሓደ ናይ ለቓሕ ካርድ ንኣብነት ማስተር ካርድ ቪዛ ካርድ ትቅበል። ከምልሙድ ነቲ ናይ ለቓሕ ካርድ፡ ገለ ገንዘብ ይኽፈሎ እዩ። እታ ባንክ ወይ ናይ ቁጠባ ባንክ ነቲ ኤለትሮኒክ ካርድ ወይ ለቓሕ ካርድ ብፖስታ ትልእኮ። ነቲ ካርድ ከኣ ክትፍርመሉ ኣለካ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ሓደ ምስጢራዊ ቁጽሪ ፡ ፒን ዝበሃል ብፖስታ ይልኣኸልካ። እቲ ምስጢራዊ ቁጽሪ ብሓንጎልካ ክትሕዞ ግቡእካ እዩ። 

በቲ ናይ ኤለትሮኒክ ካርድ ኣብ ኩለን ናይ ባንክ ኣውቶማቲክ ገንዘብ ትወስድ፡፡ ነዚ ንምግባር ኩሉግዜ ምስጢራዊ ቁጽሪ የድልየካ። ብናይ ለቓሕ ካርድ ኣብ ገለ ዱኳናትን ኢንተርነትን ክትከፍል ትኽእል። ጥረ ገንዘብ ከኣ ኣብ ጨናፍር ናትካ ባንክ ወይ ናይ ቁጠባ ባንክ ክተእቱ ትኽእል።

ወለድ

ነቲ ኣብ ባንክ ሕሳብ ዘለካ፡ ገንዘብ ካብ ባንክ ወይ ካብ ናይ ቁጠባ ባንክ ወለድ ትረኽበሉ። ኣብ ተንቀሳቀሲ ባንክ ሕሳብ ዝርከብ ገንዘብ ክኣ ሒደት ወለድ ይወሃበካ፡፡ ገንዘብ ክተዋህልል ምስእትደሊ ሓደ መዓልታዊ ሕሳብ ወይ ውህሉል ሕሳብ ትኸፍት። ኣብዚ ሕሳባትዚ እትረኽቦ ወለድ ፡ ካብቲ ኣብ ተንቀሳቀሲ ባንክ ሕሳብ ዝወሃብ ወለድ ዝያዳ እዩ።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form