Auf einem Tisch stehen Stiftehalter mit vielen bunten Stiften und Bastelscheren. Daneben liegen selbstgemate Bilder von Kindern. © Goethe-Institut

ዕሸላት ትሕቲ ሰለስተ ዓመት

ንስኻ ወይ በዓልቲ ቤትካ ወይ ዓርክኻ ሰራሕተኛታት እንተ ኮይንኩም ንእሽተይ ዕሸል ፡ 3 ዓመት ዘይመልአት ህጻን፡ ምስዝህልወኩም እንታይ ትገብሩ ? ንውላድኩም ናብ መዋእለ ዕሸላት / ኪንደር ክሪፐ/ ትልእኩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ መዋእለ ዕሸላት ውሱን ቦታታት ጥራይ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ውላድኩም ኣቐዲምኩም ተመዝግቡ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ / እታ ህጻን ናብ ኣጸደ ህጻናት ይላኣኽ። ኣብኡ ክጻወቱ ክዝምሩ ክቀብኡ ክስንዑ ይኽእሉ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጸደ ህጻናት ፡ እቶም ኣለይቲ ኣብ እዋን ሓጋይ ምስቶም ቆልዑት ብሓባር፡ ኣብ ገደና / ናቱር / ይወስድዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ሓገዝ ኣብ መዋእለ ህጻናት ይወሃብ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ምስቶም ቆልዑ ናይ ቋንቋ ጸወታ እናምጽአ፡ ጽውጽዋይ ኣናነገረ የዘናግዖም ቋንቋ ይምህሮም። 

Auf einer Straße sind mit Straßenkreide eine Blume, ein Regebogen und eine Spinne gemalt. © Goethe-Institut

ኣጸደ ህጻናትን መዋእለ ህጻናትን

ኣጸደ ህጻናት ንቆልዑት ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ምእታዎም ዝግበር ምድላዋት እዩ። ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ካብ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ኣጸደ ህጻናት ሓደ ቦታ ኣለዎ። መዋእለ ህጻናት ኣብ ናእሽቱ ዓድታት ወይ ቦታታት ውን ኣሎ። ይኹን እንበር ንውላድካ ብእዋኑ ኣብ ኣጸደ ህጻናት መዝግብ። ኣብዚውን እንተኾነ ብዙሕ ቦታት የለን ፡፡ ቆልዓኻ ብኣጸደ ህጻናት ኣቢሉ ርክብ ምስ ባህሊ የጥሪ ፡ ነታ ሓዳስ ሃገር ከኣ ቀልጢፉ ይላለያ። 

ገለ ኣጸደ ህጻናት ክሳብ ፍርቂ ማዓልቲ ጥራይ ካብ ሰዓት 7 ክሳብ 12 ወይ 13 ጥራይ ይኸፍታ። ካልኦት ኣጸደ ህጻናት ምሉእ መዓልቲ ክፉታት ኮይነን ካብ ሰዓት 7 ክሳብ 5 ድሕሪ ቀትሪ ይውዕላ። እዘን ኣጸደ ህጻናት እዚኣተን መዋእለ ህጻናት ይበሃላ። ኣብኡ ቆልዑ ምሳሕ ይምስሑ። 

ንሓደ መጽኒሒ ቦታ ኣብ መዋእለ ዕሸላት ይኹን ወይ ኣብ ኣጸደ ህጻናት ወይውን ኣብ መዋእለ ህጻናት ከም ግቡእ ቅሩብ ገንዘብ ይኽፈሎ። እቲ ዋጋ ካብ ሓንቲ ፈደራላዊት ኣውራጃ ናብ ካልእ ኣውራጃ ዝፈላለ ኮይኑ ነፍስ ወከፍ ሓደ ዓይነት ኸፍሊት ኣይከፍሉን እዮም። ኣቲ ዋጋ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ይምርኮስ። እቶትካ ክንደይ እዩ ውላድካ ክንደይ ዓመት ኣለዎ እቲ ቆልዓ ክንደይ ሰዓታት ኣብ ኣጸደ ህጻናት ይጸንሕ ወዘተ። ናይ መንግስትን ናይ ብሕትን መዋእለ ዕሸላትን ኣጸደ ህጻናትን ኣለዋ። እተን ናይ ብሕቲ መዋእለ ዕሸላትን ኣጸደ ህጻናትን ክቡራት እየን። ገለ ናይ ብሕቲ ኣጸደ ሕጻናት ናይ ክልተኣዊ ሃገራት እየን። ኣብኡ ሓደ ቆልዓ ክልተ ቋንቋ እስፓንሽን ጀርመንን ይዛረብ። 

ኣብ ብዙሓት ኣጸደ ህጻናትን መዋእለ ህጻናትን ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ፡ ኣቶም ቆልዑ ናይ ቋንቋ ፈተነ ይፍተኑ። ሓደ ሓደ ግዜ ቋንቋ ጀርመን ንጀርመናውያን ቆልዑ ውን ከቢድ እዩ። ነቲ ፈተና ዘይሓለፍዎ ቆልዑት እንደገና ሓደ ዓመት ኣብ ኣጸደ ህጻናት ይመላለሱ ወይ ውን ተወሳኺ ሓገዝ ናይ ቋንቋ ይረኽቡ።

Ein Schild, auf dem Kindergarten geschrieben steht, führt ein Pfeil mit einem gezeichneten Mädchen in Richtung des Kindergartens. © Goethe-Institut

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form