Jemand arbeitet an einer Werkbank. Man sieht ein Lineal, einen Messschieber und Klebeband. © Goethe-Institut

ምዝዛም ትምህርቲ ን ምስክር ወረቐትን

ሓደ ሰብ ዩኒቨርስቲ ወይ ሞያ ምስዝዛዝም ዝሓሸ ስራሕ ይረክብ። እቲ ናይ ሞያ ትምህርቲ ብዘይ ተረፍ መረፍ ዘይብሉ ዝተዛዘመ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ሰብ ምስኽር ወረቐት የድልዮ። ካብ ሃገርካ ዘምጻእካዮ ምስኽር ወረቐት ኣለካ ዶ ? ኣስተርግሞን ብቕዓቱውን ኣመስክርን። 

In einer Küche eines Restaurants arbeiten verschiedene Menschen. © Goethe-Institut

ኣኻይዳ ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ

ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ ንምጥራይ ብውሕዱ ታሕተዋይ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ /ሆፕት ሹለ ኣብሽሉስ/ ክትዛዝም እለኻ። ብዘይ መዛዘሚ ቤት ትምህርቲ ሞያ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ጀርመን መብዛሕተኣን ኣብያተ ትምህርቲ ሞያ ድርብ ሲስተም ይጥቐማ። እዚ ሞያ እዚ ኣብ ሓንቲ ትካል ብቐጥታ ብምኻድን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞያን ተጥርዮ። ኣብዚ እቲ መባእታዊ ፍልጠት ናይ ሞያ ብክለሰ ሓሳብ ትዩሪ ይወሃብ። ካብኡ ሓሊፉውን ሓደ ክልተ ሓፈሻዊ ዓይነት ትምህርቲ ከምእኒ ጀርመን ፖለቲክ ወይውን ስፖርት ኣሎ። ኣብ ሓደ ትካል ሓደ ሰብ ግብራዊ ስራሕ ፕራትክስ ይመሃር። ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ሰሙን ኣብታ ትካል ብምኻድ ይሰርሕ፡፡ ካብ 8 ክሳብ 12 ሰዓታት ንሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ይመሃር። ሓደ ናይ ሞያ ትምህርቲ ኣብ ብዙሓት ትካላት ዳርጋ ንኩለን ዓውዲ ትምህርቲታት ዝምልከት ኣሎ። ሓደ ንትምህርቲ ሞያ ዝኸውን ቦታ ፡ ልክዕ ከም ስራሕ ቦታ፡ ባዕልኻ ኢኻ ደሊኻ ትረኽቦ። ማመልኸቻ ትጽሕፍ (‚‚Arbeitssuche‘‘) ርኣ። ብግዜ ልምምድ ስራሕ እታ ትካል ትህበካ ቁሩብ ገንዘብ ኣሎ።

ብዝሒ ግዜ ናይ ሞያዊ ትምህርቲ

ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ይወስድ። ኣብ ሓጸርቲ እዋን ዝውድኣ ናይ ሞያ ትምህርቲ ውን ኣለዋ። ንኣብነትትምህርቲ ናይ ኣሻየጥቲ ፡ ምእላይ ሽማግለታት ከምኡውን ስነ ጽባቐታት እየን ። ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ቤት ስFሀት ስራሕ ኣርባይትስ ኣገንቱር ተወከስ። 

Auf dem Bild ist eine Bibliothek mit Tischen, an denen man sitzen und arbeiten kann, zu sehen. © Goethe-Institut

ትምህርቲ ዩኒቨርስቲ

ድሕሪ ማትሪክ ማለት ኣቢቱር ኣብ ዩኒቨርስቲ ትማሃር። ሞያዊ ማትሪክ ፋኽ ኣቢቱር ምስወዳእካ ድማ ፖሊተክኒክ /ፋኽ ሆኽ ሹለ/ ትመሃር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፖለተክኒክ ምስ ዩኒቨርስቲ ኣወዳዲርካ ፡ ዝያዳ ናብ ፕራክቲስ ዝዓለመ ትምህርቲ ትወስድ። ኩለን ፖሊተክኒክ ናይ ጀርመንን ዩኒቨርስትን ንክትመሃር ከም ተማሃራይ መጠን ጽፉፍ ናይ ቋንቋ ጀርመን ፍልጠት ክህልወካ ኣለዎ። ጀርመን ቋንቋ ኣደኻ እንተዘይኮይኑ ናይ ቋንቋ ጀርመን ናይ ክእለትካ መረጋገጺ ወረቐት ተቕርብ። ዝበዝሕ እዋን ‘‘Deutsche Sprachprüfung für den Hochschulzugang‘‘(DSH) ወይ TestDaF ትሕተት። 

ንትምህርቲ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ፡ ናይ ሓደ ሰሚስተር ክፍሊት ይኽፈል እዩ። ንሱ ድማ ናይ ማሕበራዊ ክፍሊትን /ሶሻልባይትረገ/ ናይ ምምሕዳራዊ ዋጋን የጠቓልል። ምስኡውን ሓደሓደ ግዜ ናይ ሓደ ሰሚስተር ናይ ባቡር ትኬት ይሕውስ እዩ። ናይ ባችለር ድግሪ ትምህርቲ 6 ክሳብ 8 ሰሚስተር ይወስድ። 2 ክሳብ 4 ሰሚስተር እንተተወሲኽዎ ድማ ፡ ን ማስተር ድግሪ ይበቕዕ። 

ኣብ ዝኾነ ይኹን ከተማ ናይ ሞያ ሓበሬታ Berufsinformationzentrum (BIZ) ኣሎ። ኣድራሻ BIZ ናይ ትነብረሉ ከተማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ / ኣርባትስኣገንቱር / ትረኽቦ። ኣብኡ ብዛዕባ ትምህርቲ ሞያን ፡ ብዩኒቨርስቲ ደረጃ ትምህርቲን ፡ ካልእ ተወሳኺ ትምህርትን ፡ ሓበሬታት ትሰንቕ።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form