Der Übergang von der vorintegrativen Sprachförderung zum Integrationskurs (2011) ዝብል ትንተናን ምዕዶን ዝሓዘ መጽናዕቲ ከም ዘርኣዮ፡ ንቪሳ ኢሎም ናይ A1 መርመራ ኣቐዲሞም ኣብ ሃገሮም እንከለዉ ዝገበሩ ሓደሽቲ ተሰደድቲ፡ ኣብ ጀርመን መጺኦም ንመወሃሃዲ ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ኮርስ (Integrationskurs) ክሳዕ ዝሳተፉን ምስ ቋንቋን ባህልን ጀርመን መሊሶም ከም ብሓዲሽ ብዕምቈት ክሳዕ ዝጸምዱን ዝተሓሓዙን፡ ብተዛማዲ ክረአ እንከሎ ንነዊሕ ጊዜ’ዮም ዝጽበዩ (ክጽበዩ ዘለዎም)። ኣብ ርእሲ’ዚ እዚ መጽናዕቲ'ዚ ነዞም ንዛረበሎም ዘለና ተመሃርቲ ምስ ድሌቶምን ጠለቦምን ዝኸይድን ኣብ መሰጋገሪ ጊዜ ባዕልኻ ንባዕልኻ ከምህር ዘኽእልን መምሃርን መለማመድን መሐበርን ዝኸውን ከም ዝጐድሎም ካልእ ከይጠቐስካ ኣርእዩ’ዩ። ብሰሪ'ዚ ጕድለት'ዚ ድማ እቲ ዝነበሮም ናይ ቋንቋ ፍልጠት ኣብ መወሃሃዲ ኮርስ (Integrationskurs) ክሳዕ ዝኣትዉ መብዛሕትኡ ጊዜ ይሃስስ’ዩ። እንተኾነ ግን ተሰዲዶም ዝመጹ ከም ዝሕብርዎ ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ድሌቶም ልዑል ከም ዝኾነ’ዩ። 



Goethe-Institut በዚ „ንጀርመን ዝመርሓኒ መንገዲ“ ብዝብል ናይ ኢንተርነት ፖርታል ጌሩ፡ ናይ'ቲ ፕሮጀክት ቀንዲ ቴማ „Mein Weg nach Deutschland“ (ኣብ ምምዋሉ ሓገዝ ናይ ማዕከን ገንዘብ Asyl-, Migrations- und Integrationsfonds, AMIF ዝነበሮ) ነዚ ዘሎ ጠለብ'ዚ እነሆ ኸማልእ ይርከብ። 

ዕላማ'ዚ ፕሮጀክት'ዚ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቕረበሎም ናይ ቋንቋን ሓበሬታን ምኽርን ወሲዶም ናብ ቀዳማይ መድረኽ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ከምኡ'ውን ናብ ካልእ ንምውህሃዶም ዝሕግዝ ንጥፈታት ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሰጋገርሉ ጊዜ፡ ነዚ ናይ ምስግጋር ኩነታት'ዚ ዝሓሸን ውጽኢታውን ንምግባር’ዩ። እዛ ናይ ኢንተርነት ፖርታል እምበኣር፡ ነቲ ኣብ መወሃሃዲ ኮርስ ቅድሚ ምስታፎም ዝቐሰምዎ ናይ ቋንቋን ሕ/ሰብን ፍልጠቶም ብዝሰማማዕ ኣገባብ ከም ዝመሓየሽን ከም ዝሰርጽን ክትገብር’ያ። ብተወሳኺ፡ እዞም ንዛረበሎም ዘለና ፍሉያት ተመሃርቲ፡ ንትሕዝቶ ናይ'ዛ ፖርታል ብምጥቃም ኣብ ጀርመን ንምንባር ዘድልዮም ዝተፈላለየ ፍልጠት ክቐስሙ’ዮም። ንኣብነት ኣተሓሕዛ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነታት መራኸቢ ሜድያ ወይ ክኣ ኣብ ጀርመን እግሮም ኣብ ዝረግጽሉ ኣብ መጀመርያ ጊዜ መንገዲ ዘርእዮምን ዘላልዮምን ፍልጠት።  

መምሃራንን ኣማኸርትን፡ ኣብ'ቲ „Für Unterrichtende“ („ንመምሃራን“) ዝብል መምርሒ (Rubrik)፡ ንሓሙሽተ ደቓይቕ እትወስድ ብዛዕባ ፖርታል እትሕብር ፊልምን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ፖርታል ኣብ ናይ A1 ትምህርቲ ዘረድእ ብመልክዕ ፒዲኤፍ (pdf) ዝተዳለወ ኣስታት 30 ገጻት ዝሓዘ ዶኩመንትን ክረኽቡ’ዮም።  



በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ እዚ ፖርታል'ዚ ብብዙሕን ብዝተፈላለየን ትሕዝቶ ብኦንላይን ንኽቐርብ ኣበርክቶ ዝገበርኩምን ናብ'ዚ ዘብቃዕክሞን ኵልኹም ደረስትን መሃዝትን ኣዳለውቲ ፊልምን ናይ ግራፊክ ኪኢላታትን ኣሰናዳእትን ካልኦት ሰብ ክእለትን ልዑል ምስጋና ይብጻሕኩም! ኣብ'ቲ „Deutsch üben“ („ምልምማድ ቋንቋ ጀርመን“) ዝብል ከም'ቲ ግቡእ ተጠቒሶም ኣለዉ። ቀጺልና ንደረስትን ኣሰናዳእትን ዝኾኑ Stefan Münchow, Freya Conesa, Joanna Chlebnikow, Csaba Gloner, Janna Degener, Ellen Bachmann, Marion Hollerung und Julia Meyer/Internationale Forschungsstelle für Mehrsprachigkeit፡ ኣብ'ዚ ፖርታል ዝርከቡ ቐንዲ ዝኾኑ መላመዲ ዕዮታትን ጽሑፋትን ኣብ ምድላው ወይ ኣብ ምትዕርራይ ብምብርካቶም ምስጋናና ክንገልጸሎም ንፈቱ። 

ንኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ስለ'ቲ ዝገበረልና ፊናንስያዊ ደገፍ ነመስግኖ። እዚ ፕሮጀክት'ዚ ብዘይ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይምኸኣለን ኔሩ።