In einem Zimmer steht ein rotes Kinderfahrrad, Kinder-Gummistiefel und Schuhe eines Erwachsenen. © Goethe-Institut

እዋን ጥንሲ

ሂወት ምስ ቆልዑ ገና ኣብ እዋን ጥንሲ ከሎ ይጅመር ንጥንሲ ዝምልከት ሕቶ ኣንተኣለኺ ናብ ምክሪ ንነፍሰጾራት ዝወሃበሉ ቦታ ኪዲ።

ኣብ ግዜ ጥንሲ ብመደብ፡ ናይ ደቀእንስትዩ ሓኪም ምርኣይ የድሊ፡፡ ንሱ ንዘይበርሀ ሕቶታትኪ ይምልስ ናይቲ ጥንሲ ወይ ድቂ ይከታተል። ሓንቲ መሕረሲት ኣደ ውን ተምሳሳሊ ስራሕ ትሰርሕ እያ። ንሳ ኣብ እዋን ጥንሲ ይኹን እቲ ህጻን ምስተወልደ ክትሕግዘክን ክተማኽረክን ትኽእል። ሓንቲ መሕረሲት ኣደ ኣብ ግዜ ሕርሲ ውን ምሳኺ ኣላ። ናትኪ ሓኪም ሓንቲ መሕረሲት ኣደ ይኹን ወይ ናይ ደቀኣንስትዩ ሓኪም ክረክበልኪ ይኽእል። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ውን ኣብ ናይ ሕርሲ ምድላው ኮርስ ይካፈላ እየን። ኣብኡ ብዙሕ ምኽርታት ናይ ሕርሲ ይረኽባ ካብኡ ሓሊፉ ውን ርክብ ምስ ካልኦት ነፍሰ ጾራት ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ይምስርታ። 

Auf einem Tisch liegt ein Ultraschallbild eines Ungeborenen. © Goethe-Institut

ሓለዋ ኣደ፡ ናይ ወለዲ ሓለዋ፡ ናይ ወለዲ ገንዘብ

ሓደ ሕዱር ስራሕ እንተለኪ ፡ ቅድሚ ሕርሲ ናይ ሓለዋ ኣደ ዕድል ተጠቐሚ ፡ እዚ ማለት ንስራሕ ናይ ግድን ክትከዲ ይብልክን ማለት እዩ ። ኣብ ብዙሓት ሞያታት እዚ ናይ ሓለዋ ኣደ ሽዱሽተ ሰሙናት ቅድሚ ሕርሲ ይኸውን። ብዝሒ ናይ ሓለዋ ኣደ ብጠቕላላ 14 ሰሙናት እዩ። እዚ ገደብ እዚ ክናዋሕ ይኽእል። ኣብዘን እዋናት እዚኤን ወሃቢ ስራሕ ካብ ስራሕ ከውጽኣኪ የብሉን። ድሕሪ ናይ ሓለዋ ኣደ ናይ ወለዲ ሓለዋ ዝበሃል ውን ክውሰድ ይከኣል እዩ፡፡ እታ ዕሸል ክሳብ 3 ዓመት ዝመልኣ ኣብ ገዛ ክትጸንሒ ትኽእሊ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ስራሕኪ ትምለሲ። 

ኣብተን ናይ መጀመርያ 12 ኣዋርሕ እዋናት ናይ ሓለዋ ወለዲ ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ወለዲ ገንዘብ ይወሃባ። በዓል ቤታ ከይተረፈ ነዚ ናይ ሓለዋ ወለዲ ክጥቀመሉ ምስዝደሊ 14 ኣዋርሕ ይናዋሕ። እቲ ብዝሒ ናይ ወለዲ ገንዘብ ከከም ጹሩይ ኣታዊ ይፈላለ። ናይ ወለዲ ገንዘብ ንምርካብ ክተምልክቲ ኣለኪ ። ኣቲ ገንዘብ ግን ሓደ ሰብ ወላውን ስራሕ ዘይብሉ ይረኽቦ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወለዲ ገንዘብ ፡ ገንዘብ ናይ ቆልዓ / ኪንደርገልድ/ ውን ክተመልክት ትኽእል። ገንዘብ ቆልዓ ክሳብ እቲ ዝተወልደ ህጻን ኣንተወሓደ 18 ኣዋርሕ ዝመልእ ይወሃብ።

ክንክን ጥዕና

ውላድካ ብመደብ ኣብ ናይ ህጻናት ሓኪም ክርአ ኣለዎ ፡፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ መርመራ እቲ ሓኪም ኣብቲ ፍሉይ ሰነድ ፓስ ይጽሕፎ። እዚ መርመራ ክንክን ጥዕና እዩ። ውላድካ ወላውን እንተዘይሓመመ እዚ ነገራት እዚ ክተካይደሉ ይግባእ ፡፡ ናይ ህጻናት ሓኪም ናይ ቆልዓ ክታበትውን የካይድ እዩ።

ምሕብሓብ ቆልዑት

ኣቐዲምካ ክትሰርሕ ምስእትደሊ ቆልዓኻ ዝሕብሕበልካ ኣካል የድልየካ ኣብዚ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። ትሕቲ 3 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ መዋእለ ዕሸላት ይኸዱ ምስ ሓንቲ ኣላይት ኣደ ወይ ኣላይ ኣቦ ይውዕሉ። ልዕሊ 3 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ኣጸደህጻናት ወይ ኣብ መዋእለ ህጻናት ይኸዱ ‚‚Frühe Förderung‘‘ ተመልከት:: ካብ ሽዱሽተ 6 ክሳብ ሸዓውተ 7 ዝዕድሚኦም ቆልዑት ድማ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም። ትምህርቲ ናይ ግድን እዩ ‚‚Schulsystem‘‘ ተመልከት:: ትሰርሕ እንተ ኮንካ ውላድካ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ቀትሪ ወይ ድማ ድሕሪ ትምህርቲ ምውዓል ኣብ ሓደ መጽንሒ ቆልዑት ይኸይድ። ኣብኡ ውላድካ ካብ ሰዓት 4 ክሳብ 5 ድሕሪ ቀትሪ ይጸንሕ። ሓደ ሓደ ግዜ ውላድካ ኣብኡ ውን ይምሳሕ እዩ።

Ein Kind sitzt mit Badeanzug und Schwimmflügeln zusammen mit dem Vater an einem See. © Goethe-Institut

ኣጠቓቕማ ትርፊ ግዜ

ኣብ ትርፊ ግዜኻ ብዙሕ ነገራት ምስ ቆልዓ ክትገብር ትኽእል ንናእሽቱ ቆልዑት ብዙሕ ናይ መጻወቲ ቦታ ኣብ ጎልጎል ኣሎ። ዓበይቲ ቆልዑት ንኣብነት ኣብ ናይ ስፖርት ክለብ ይኸዱ ኣብ ሓጋይ ኣብ ኩሉ ቦታ ክፉት መሓንበሲ ኣብ ክረምቲ ድማ ኣብ ዕጹው ኣደራሽ መሓንበሲ ኣሎ። ቤት ትምህርቲ ምስተዓጽወ ከተማታት ጀርመን ፍሉይ ቀረብ ንቆልዑት፡ ብዝሓሸ ዋጋ ይቕርባ። ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት መንእሰይ ወይ ውን ካብ ማዛጋጃ ቤት ናይ ትነብረሉ ከተማ ይርከብ። ብዙሓት ክለባትውን እንተኾነ ናይ ትርፊ ግዜ መዘናግዒ ፡ ብፍላይ ንቆልዑ ቅናሽ ዋጋ ዘለዎ የቕርባ እየን ‚‚Freizeit‘‘ ተመልከት። 

ብዙሓት ጀርመናውያን ቆልዑ ዕለተ ልደቶም ፓርቲ ብምግባር ኣብ ገዝኦም የብዕሉ፡፡ ኣብኡ ከኣ ቆልዑት ይዕድሙ። ውላድካ ነዚ ዕድመ እዚ ረኺቡ ናብ ፓርቲ ክኸይድ እንተኾይኑ ኣብኡ ቀልጢፉ መሓዙት የጥሪ። ሓደ ሓደ ግዜ ቆልዑት ውን ንካልኦት ቆልዑ ኣብ ገዝኦም ክሓድሩ ይዕድምዎም እዮም ፡፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ውላድካ ምስ መሓዙት ዝያዳ ይላለ።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form