Ansicht auf den unteren Teil eines Tisches, an dem Schülerinnen und Schüler sitzen. © Goethe-Institut

ናይ ትምህርቲ ግደታን ወጻኢታትን

ኣብ ጀርመን ነፍስ ወከፍ ሰብ ትምህርቲ ክመሃር ይግደድ። ቆልዑት 9 ዓመት ሙሉእ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም። እዚ ናይ ትምህርቲ ግደታ ኣብ ገለ ኣውራጃታት ጀርመን ውን እንተኾነ፡ ዘይተነጸረ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ቆልዑት ውን ይምልከት እዩ። ሓንቲ ዓመተ ትምህርቲ ነሓሰ ወርሒ 8 ወይ መስከረም ወርሒ 9 ጀሚራ ፡ ክሳብ ሰነ ወርሒ 6 ወይ ሓምለ ወርሒ 7 ከከምኣውራጃታቱ ፡ ትዕጾ። ተማሃሮ ከም ልሙድ ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። እዚ ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ። ገለ ገለ ወጻኢታት ንፎቶኮፒ ናውቲ ቤት ትምህርቲ ወይ ንዙረት ዝምልከት ዝኽፈል ኣሎ። ኣብ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ግን ትምህርቲ ይኽፈሎ እዩ። 

Portrait einer jungen Frau mit asiatischem Hintergrund. © Goethe-Institut

ደረጃ ትምህርቲ

በብዓይነቱ ደረጃ ትምህርቲ ኣሎ። ስርዓተ ትምህርቲ ካብ እውራጃ ናብ ኣውራጃ ይፈላለ። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኩሎም ካብ 6 ክሳብ 7 ዓመት ዝዕድምኦም ቆልዑት ይኣትዉ። 4 ክፍሊ ምስ ወድኡ ግን ፡ ኣብ ገለ ኣውራጃታት ድማ 6 ክፍሊ ምስ ወድኡ እቶም ቆልዑት ናብ ቀጻሊ ትምህርቲ ይሰጋገሩ። ቀጺሉ ዝስዕብ ትምህርቲ እውን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። እተን መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምዝዛም 4 ክፍሊ ፡ ውላድካ ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ ከምዝሓይሽ ምኽሪ ይልግሳ። ትሑት ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ / ሆፕት ሹለ / ወይ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ / ሚትልሹለ/ ካብ 5ይ ክሳብ 9ይ 10ይ ክፍሊ ዘሎ ኮይኑ፡ ብሓደ መዛዘሚ መርመራ ወይ ድማ ብቑዕ መዛዘሚ መርመራ ይድምደም። ኣብ ትሑት ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ /ሆፕት ሹለ/ ሓደ ሰብ ግብራዊ ማለት ፕራክቲስ ዝሓዘ ደረጃ ትምህርቲ ከምእኒ ኢደ ጥበብ ወይ ድራፍቲንግ ኣሎ። ካብኡ ልዕል ዝበለ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ / ሪኣል ሹለ/ ካብ 5ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ዘሎ ኮይኑ ፡ እዚውን ከምኡ ብመዛዘሚ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ይድምደም። ድሕሪ ትሑት ማእከላይ ድረጃ ትምህርቲ ምውዳእ ሓደ ሰብ ሞያ ይመሃር። ካብኡ ሓሊፉ ግምናሲዩም ክሳብ 12 ክፍሊ ኣሎ ፡፡ ኣብዚ ናብ ዪኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ይወሰድ። ኣብ ግምናሲዩም ሓደ ሰብ ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ክምእኒ አንግሊዝን ፈረንሳን ይመሃር። 

ኣብ ገላ ኣውራጃታት ጀርመን ሓፈሻዊ ቤት ትምህርቲ / ገሳምት ሹለ / ኣሎ። እዚ ማለት ታሕተዋይን ፡ ማእከላይን ፡ ግምናሲዩምን ትምህርቲ ኣብ ሓደ ገዛ ብሓባር ይመሃሩ። ሓደ ተማሃራይ ቤት ትምህርቲ ክቕይር ኣንተኮይኑ ንኣብነት ካብ ታሕተዋይ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ / ሆፕት ሹለ ናብ ሪያል ሹለ / ኣብዚ ሓፋሻዊ ቤት ትምህርቲ ቀሊል እዩ። ኣብተን ካልኦት ኣብያተ ትምህርት ውን እንተኾነ፡ ሓደ ሰብ ደረጃ ትምህርቲ ክቕይር ይኽእል እዩ፡፡ ግን ከም ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ትምህርቲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣውራጃ ከኣ ድርብ ቋንቋ ዝጥቀማ ኣብያተ ትምህርትን ፡ ኣሳለይቲ ኣብያተ ትምህርትን / ፎርደርሹለ / ከምኡውን ናይ ሞያን ፡ ላዕለዋይ ኢንስቲቱት ትምህርትን ፡ ኣለዋ። 

ናይ ትምህርቲ ሰዓታት

ኣብ መብዛሕትኣን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ብግዜ ቀትሪ ወይ ውን ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 2 ክሳብ ሰዓት 3 እዩ። ብድሕሪ እዚ ሓደ ቆልዓ መጽንሒ ቆልዑት ይኸይድ፡፡ ኣብኡ ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ ይጸንሕ ምግቢ ይወሃቦ ከምኡውን ዕዮ ገዛ ኣብ ምስራሕ ይተሓጋገዝዎ። መጽንሒ ቆልዑት ይኽፈል እዩ። ከምኡውን ብዙሓት ናይ ሙሉእ መዓልቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ ፡፡ እቶም ቆልዑት ምሉእ መዓልቲ ኣብኡ ይውዕሉ ፡፡ መብዛሕትኡ እውን ክሳብ ሰዓት 4 ወይ 5 ድ.ቀ. ይጸንሑ።

ዓይነት ትምህርቲ

ቆልዑት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ ይመሃሩ። ናይ ስፖርት ክፍለ ጊዜ ውን ከምኡ ኣለዎም። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ከይተፋላለዩ ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ብሓባር ስፖርት ይገብሩ። ኣብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ግን ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ሓደ ግዜ ብሓባር ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ተፈላልዮም ናይ ስፖርት ክፍለ ግዜ የካይዱ። ብዙሕ ግዜ ውን ናይ ምሕንባስ ክፍለ ግዜ ኣሎ። ኣብ መብዛሕትአን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ ክፍለ ጊዜ ኣሎ። ሓደ ተማሃራይ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ ክፍለ ግዜ ብድልየቱ ከይካፈል ይኽእል እዩ፡ ግደታ እይኮነን። ከም መተካእታ ግን ኣብ ክፍሊ ናይ ስነምግባር / ሞራል / ኣብ ገለ ቤት ትምህርታት ክኣ ፡ ኣብ ክፍሊ ናይ ካልእ ሃይማኖታት ንኣብነት ናይ ምስልምና ወይ ይሁዳ ምህሮ ይመሃር። 

Eine Schulklasse steht bei einer Stadtbesichtigung um die Lehrkraft herum, die etwas zur Geschichte der Stadt erzählt. © Goethe-Institut

ንጥፈታት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ

ተማህሮ ከም ልሙድ ሓንሳብ ንዓመት ናይ ክፍሊ ናይ ሓባር ዙረት ኣለዎም። ካብ 3 ክሳብ 5 መዓልቲ ኣቢሉ ይወስድ። ናይ ሓንቲ ክፍሊ ተማሃሮ ፡ ብሓባር ኮይኖም ናብ ካልእ ከተማ ወይ ካልእ ከባቢ ይኸዱ። ናይ እግሪ ግዕዞ መዓልታት ውን ኣሎ። ኣብኡውን ተማሃሮ ብሓንሳብ ዑደት ወይ ዙረት ይኸዱ ። ከምዚ ብምግባር ቆልዑት ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ባህሪያዊ ጸጋን ይፈልጡ። ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ በዓል ውን ኣለወን። ንኣብነት፡ ኣብኡ ተዋስኦታት ወይ ኮንሰርት ናይ ተመሃሮ የርእያ።

ወለዲ

ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ናይ ወለዲ ኮሚተ ምስ ቤት ትምህርቲ ብሓባር ዝሰርሑ ኣለውዋ። ብዙሕ ግዜ ንዓመት ናይ ወለዲ ምሸታዊ ኣኼባታት ይካየድ። ኣብዚ ፡ እቶም ወለዲ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ካብ መማህራን ይረኽቡን ነንሓድሕዶም ናይ ምልላይ ዕድል ይህልዎምን። ንስኹምውን ምስ ሓደ መምህር ቆጸራ ወሲድኹም ናይ ብሕቲ ዘተ ክተካይዱ ትኽእሉ። እዚ ናይ ወለዲ ዘተ / ኤልተርን ገሽፕረኽ / ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገም ኣብዝቕልቀለሉ እዋን ይግበር። ወይውን ባህርያት ኣካይዳ ቆልዓኹም ኣብ ቤት ትምህርቲ ከመይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ይሕግዝ።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form