Colourful books stand in a row on a shelf. © Jamie Grill/Jamie Grill via Getty Images

A

die Abendschule, die Abendschulen (ምሸታዊ ቤት ትምህርቲ) 
እዘን ኣብያተ ቤት ትምህርቲ እዚኤን ትምህርቲ ንዓበይቲ ይህባ። ትምህርቲ ዝበዝሕ እዋን ምሸታውን ቀዳምን ይኸውን። ንሳተን ድማ፡ ምሸታዊ ታሕተዋይ ማእከላይ ደረጃ ቤትምህርቲ Evening Lower High School / Abendhauptschule ፡ ምሸታዊ ማእከላይ ደረጃ ቤትምህርቲ Evening Intermediate High School / Abendrealschule : ምሸታዊ ላዕለዋይ ደረጃ ቤትምህርቲ Evening Gymnasium / Abendgymnasium ከምኡውን መደበኛ ምሸታዊ ቤትምህርቲ ሞያ Evening Vocational School / Abendfachschule እየን። ከምዚ ብምግባር ሓደ ሰብ ምስክር ወረቐት ናይ መዛዘሚ ትምህርቲ ይረክብ፡ (School Leaving Certificate / Schulabschluss) ወይ ውን ዝሓሸ ሞያ ንምቕሳም ይበቅዕ። ናይ መንግስቲ ምሸታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ገንዘብ ኣይክፈለንን እዩ። 

die Ablöse (ዘይንቀሳቀስ ንብረት ገዛ) 
ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ኣቅሑቱ ምስ ትካረ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ንብረት ትኸፍለሉ ኢኻ፡፡ እዚ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ገዛ / ኣብ ሎዘ/ ይበሃል። ከም ልሙድ እቲ ኣቕሓ ገዚፍን ከቢድን እዩ፡ ንኣብነት ኣርማድዮ ክኸውን ይኽእል። ወይከኣ ናይ ኽሽነ ንብረት ኮይኑ ፎርኖን ፍርጅን የጠቃልል። 

der Abschluss, die Abschlüsse (ምዝዛም ትምህርቲ) 
ድሕሪ ምዝዛም ኮርስ፡ ስልጠና (Ausbildung) ወይ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ሓደ መርመራ ክትገብር ኣለካ። ነቲ መርመራ ምስ እትሓልፎ፡ ናይ ዝወዳእካሉ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ። ኣብ ጀርመን ዝተፈላለየ ኣገባብ መዛዘሚ ትምህርቲ ኣሎ። ንስራሕ ወይ ንዝያዳ ልዑል ትምህርቲ ክትመሃር ምስ እትደሊ፡ ከም ዝዛዘምካ ዘረጋግጽ ምስክር የድሊ። ናይ መዛዘሚ ምስክር ወረቐት ኣለካ ማለት ግን፡ ዝደለኻዮ ዓይነት ስራሕ ክትረክብ ወይ ልዑል ትምህርቲ (ናይ ዩኒቨርሲቲ) ክትጅምር ትኽእል ማለት ኣይኮነን። 

die Abschlussprüfung, die Abschlussprüfungen (ዛዛሚ ፈተና) 
እዚ መርመራ ወይ ፈተና እዚ ሓደ ኮርስ ወይ ሞያ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ይካየድ። ኣብ ምዝዛም ናይ ሓደ ናይ ምውሕሓድ ኮርስ ማለት / ኢንተግራስዮንስ ኮርስ / ፈተና ቋንቋ ጀርመን ንስደተኛታትን ወይ ሓደስቲ ምጻእ ይውሰድ። ተኻፈልቲ ናይዚ ኮርስ ኣዚ ነቲ ዛዛሚ መርመራ ማለት /ኣብሽሉስ ፕሩፉንግ/ ክወስዱ ኣሎዎም። ንተወሳኺ ሓበሬታ BAMF ተመልከት። 

der Allgemeinarzt/die Allgemeinärztin, die Allgemeinärzte (ሓኪም ሓፈሻዊ ሕማም)
እዚ ሓኪም እዚ ናይ ሓፈሻዊ ሕማም ሓኪም እዩ። ሰብ ምስ ሓመመ መጀመርያ ኣብኡ ብምኻድ ይምርመር። እቲ ሓኪም ነቲ ሕማም ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑ ምስዝረኽቦ፡ ናብ ክኢላ ናብ ሓደ እስፐሻሊስት ይልእከካ። 

der Alphabetisierungskurs, die Alphabetisierungskurse (ትምህርቲ ምጥፋእ ማሃይምነት) 
እዚ ትምህርቲ እዚ ጽሒፎም ኣንቢቦምን ንዘይኽእሉ ሰባት ይውሃብ። ካብኡ ሓሊፉውን መደብ ምጥፋእ ማሃይምነት ብፉልይነት ይውሃብ እዩ። እዚ ፍሉይ መደብ እዚ መብዛሕትኡ ጊዜ 960 ሰዓታት ይውድእ። 

die Anerkennung ausländischer Abschlüsse (ተፈላጥነት ናይ ወጻኢ ትምህርቲ) 
ኣብ ጀርመን ብዙሕ ዓውደ ሞያታት ንኣብነት ሓኪም ወይ መምህር ክእለት ምስዝህልወካ ጥራይ ትሰርሖ፡፡ እዚ ክእለት ዘሎዎም ወጻእተኛታት፡ ተፈላጥነት ትምህርቲ ናይ ዝሓዝዎ ሰነድ ይምርምር። ዘጽነዕዎ ሞያ ምስቲ ኣብ ጀርመን ዝወሃብ ተመጣጣኒ ድዩ እቲ ሞያ ብቕዓቱ ምስዝምስከረሉ ተፈላጥነት ምስረከበን ሓደ ሰብ ብሞያኡ ክሰርሕ ይፍቀደሉ። ንዝያዳ ሓበሬታ BAMF : www. Anerkennung-in-deutschland.de ተመልከት። 

die Anschlussgebühr, die Anschlussgebühren (መእተዊ ዋጋ ንተሌፎን ዝምልከት)
ሓደ ሰብ መእተዊ ዋጋ ናይ ስልኪ ሓንሳብ ኣብ መጀመርያ ጊዜ ጥራይ ይኸፈል። ብድሕሪዚ ጥራይ ክድወል ይከኣል። 

der Ansprechpartner/die Ansprechpartnerin, die Ansprechpartner (እትውከሶ ኣካል)
ሕቶታትን ሽግራትን ኣብ ዘጋጥሙ ጊዜ ክትውከሶን ክትራኸቦን እትኽእል ኣካል ኣሎ። ዝተፈላለዩ ሕቶታት ወይ ሽግራት ኣብ ዝፍጠርሉ ጊዜ ድማ ኣብ ምምላሱን ምፍትሑን ይተሓጋገዝ። መብዛሕትኡ ጊዜ ነዚ ዘካይድ ፍሉይ ዝኾነ ሰብ ይምዘዘ። 

die Arbeitsagentur, die Arbeitsagenturen (ቤት ጽሕፈት ዕዮ) 
እዛ ቤት ጽሕፈት እዚኣ ስራሕ ንክትረኽብ ትተሓባበረካ። ኣብዛ ቤት ጽሕፈት እዚኣ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ኩሉ ዓውደ ሞያታት ኣሎ። ሓድሓደ እዋን እዛ ቤት ጽሕፈት እዚኣ ንስራሕ ማመልከቻ ዝወጸ ናይ ገንዘብ ወጻኢታት ትሽፍነልካ። ቤት ጽሕፈት ኣብ ኩለን ከተማታት ኣሎዋ። አታ ትምልከተካ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ንምፍላጥ ኣብ ኢንተርነት www. Arbeitsagentur.de ተመልከት። 

der Arbeitgeber, die Arbeitgeber (ወሃቢ ስራሕ) 
ንኣብነት ሓንቲ ኩባንያ ኣላ። እዛ ኩባንያ እዚኣ ንሰራሕተኛታታ ወሃቢት ወይ ወሃቢ ስራሕ ፡ ትባሃል። መንግስቲውን ወሃቢ ስራሕ ንኣብነት ናይ መማህራንን ኣለይቲ ቆልዑትን እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ምስዝህልወካን ኣብኡ ምስትሰርሕን ግን ወሃቢ ስራሕ ዝብሃል የብልካን። 

der Arbeitnehmer, die Arbeitnehmer (ሰራሕተኛ) 
ኣብ ሓንቲ ትካል ተቆጺርካ ትሰርሕዶ? ከምዚ እንተኾይኑ ንስኻ ሰራሕተኛ ትበሃል ወይ ትበሃሊ፡፡ 

die Arbeitnehmervertretung, die Arbeitnehmervertretungen (ወኪል ማሕበር ሰራሕተኛታት)
ንረብሓ ሰራሕተኛታት ናይ ሓንቲ ትካል የገልግል። ምስ ኣስራሒ ጸገም ኣሎ ዶ ፡ ጸገም ኣንተለካ ካብ ወኪል ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓገዝ ትረክብ። ንሱ ንሰራሕተኛን ኣስራሕን የቃራርብ። ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ወይ ቤት ምኽሪ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ዓባይ ኩባንያ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣለዋ። ካብኡ ዝለዓለ ድማ ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣሎ። 

die Arbeitserlaubnis (ናይ ስራሕ ፍቓድ)
ናይ ስራሕ ፍቓድ / ኣርባትስ ገነሚጉንግ / ተባሂሉውን ይጽዋዕ። ካብ ኤውሮፓ ሕብረት ወጻኢ ዝኮነት ሃገር፡ ንጀርመን መጺኻ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዶ ትርከብ ? ናይ ስራሕ ፍቓድ ትደልዶ ? ዜጋታት ኤውሮፓ ሕብረትን ሩማንያን ቡልጋርያን ክሳብ መወዳእታ ዓመት ናይ 2013 ናይ ስራሕ ፍቓድ የድልዮም ከምዝነበረ፡ ብድሕሪኡ ግን ተሪፉ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ der Arbeitsagenturተመልከት፡፡ 

die Arbeitsgenehmigung, die Arbeitsgenehmigungen (ናይ ስራሕ ፍቓድ)
ናይ ስራሕ ፍቓድ / ኣርባትስ ገነሚጉንግ / ተባሂሉውን ይጽዋዕ። ካብ ኤውሮፓ ሕብረት ወጻኢ ዝኮነት ሃገር፡ ንጀርመን መጺኻ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዶ ትርከብ ? ናይ ስራሕ ፍቓድ ትደልዶ ? ዜጋታት ኤውሮፓ ሕብረትን ሩማንያን ቡልጋርያን ክሳብ መወዳእታ ዓመት ናይ 2013 ናይ ስራሕ ፍቓድ የድልዮም ከምዝነበረ፡ ብድሕሪኡ ግን ተሪፉ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ der Arbeitsagenturተመልከት፡፡ 

die Arbeitslosenversicherung, die Arbeitslosenversicherungen (ናይ ስራሕ ኣልቦ ኢንሹራንስ) 
ሓደ ሰራሕተኛ ስራሕ ኣልቦ ምስዝኸውን ፡ እታ ኢንሽራንስ ንሓደ ዓመት ምሉእ ካብቲ ዘዋጽኦ ደሞዝ ወይ መሃያ ትኸፍሎ። ኩሎም ሰራሕተኛታት ብቀጥታ ኣብ ናይ ሽቕለት ኣልቦ እንሽራንስ ይኣትው። እቲ ዋጋ ክልተኹም ኣካላት፡ ማለት ሰራሕተኛን ወሃቢ ስራሕን ማዕረ ማዕረ ትኸፍልዎ። 

die Arbeitsunfähigkeit (ዓዲ ውዒል)
ሓደ ሰብ ብሕማም ወይ ብሓደጋ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉ እዩ። 

das Arbeitsverbot, die Arbeitsverbote (ናይ ስራሕ እገዳ)
ንውሱን ጊዜ ክትሰርሕ ምስ ዘይፍቀደልካ ኾይኑ እገዳ ስራሕ (Arbeitsverbot) ይበሃል። ኣብ’ቲ ከም መንበሪ ወይ መጽንሒ ዝወሃበካ ፍቓድ ወረቐት (ንኣብነት Aufenthaltsgestattung ወይ ክኣ Duldung) ሰፊሩ ይርከብ። 

der Arbeitsvertrag, die Arbeitsverträge (ናይ ስራሕ ውዕል) 
ኣብ ሓደ ነባሪ ስራሕ ንምስራሕ ናይ ስራሕ ውዕል ትፈራረም። ኣብኡ ኩሉ መምርሕታት ናይ ስራሕ ብጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ ፡፡ ኣብ ስራሕ እንታይ ክትገብር ኣለካ? ክሳብ ክንደይ ደሞዝ ወይ ማሃያ ትረክብ? ክንደይ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ትሰርሕ? ክንደይ ናይ ዓመት ፍቃድ ዕረፍቲ ኣለካ? ወዘተ… ንስኻን ወሃቢ ስራሕን ነቲ ውዕል ትፈራረሙ። 

das Attest, die Atteste (ናይ ሓኪም ወረቀት)
ሓሚምካ ካብ ስራሕ ምስተብኩር፡ ንወሃቢ ስራሕ ናይ ሓኪም ወረቀት ክተምጽእ ኣለካ። ኣብቲ ናይ ሓኪም ጽሑፍ፡ ከምዝሓመምካን ክትሰርሕ ከምዘይትኽእልን ይምስከረልክ። ቆልዑት ውን እንተኾነ ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ናይ ሓኪም ወረቐት ንቤት ትምህርቲ ከቕርቡ ይሕተቱ። 

der Aufenthaltstitel, die Aufenthaltstitel (ናይ መንበሪ ወረቀት) 
ኣብ ናይ መንበሪ ወረቀት ኣብ ሃገር ጀርመን ክንደይ ጊዜ ክትጸንሕን ወይ ክትሰርሕ ከምዝፍቀደልካን ይጸሓፍ፡፡ በዛ ወረቀት እዚኣ ኣብ ጀርመን ሕጋዊ ነባሪ ከምዝኾንካ ተረጋግጽ። እዛ ወረቐት እዚኣ ብመልክዕ ቪዛ ወይ ብሰነድ መንበሪ ፍቓድ ትወሃብ። 

der Aufenthaltsstatus (ናይ ህልውና መግለጺ)
ኣብ ናይ መንበሪ ወረቀት ሓደ ሰብ ኣብ ሃገር ጀርመን ክንደይ ጊዜ ከምዝጸንሕን ወይ ክሰርሕ ከምዝፍቀደሉን ናይ ህልውን መግለጺ ይጸሓፍ፡፡ በዛ ወረቐት እዚኣ ኣብ ጀርመን ሕጋዊ ነባሪ ከምዝኾንካ ተረጋግጽ። እዛ ናይ መግለጺ ህልውና ሰነድ ምስትህልወካ ፡ ሕጋዊ ነባሪ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኢኻ። 

die Ausbildung, die Ausbildungen (ስልጠና)
ስልጠና (Ausbildung) ክትገብር እንከለኻ፡ ፍልጠትን ክእለትን ናይ ሓደ ውሱን መዳይ ወይ ስራሕ ኢኻ ትቐስም። ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ክኣ ኣብ ሓደ ካምፓኒ (ዋኒነ ትካል) ስልጠና ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ስልጠና ክትውድእ እንከለኻ መጠናቐቒ መርመራ ክትገብር’ዩ ዘለካ። ድሕሪ’ዚ ከም ዝወዳእኻ ሓደ ምስክር ይወሃበካ። ሞያዊ ስልጠና(Berufsausbildung) ድማ ሞያ ብተግባር እትመሃረሉ ሓደ ዓይነት ስልጠና’ዩ።  

das Ausländeramt, die Ausländerämter (ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት) 
በዓል ስልጣን ወጻእተኛታት ውን Ausländerbehörde ውን ይበሃል እዩ ። ኣብ ጀርመን ሓዲሽ ምጻእ ምስእትኸውንን፡ እትኸዶ ወይውን ዝተዋህበካ ቪዛ ክውዳእ ምስዝቀራረብን ክተሓድሶ ምስእትደልን ትኸዶ። ኣብቲ ትነብረሉ ከተማ ዝርከብ ማዛጋጃ ቤት ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ኣበይ ከምዝርከብ ይሕብሩኻ። 

die Ausländerbehörde, die Ausländerbehörden (ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት) 
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትውን ይብሃል እዩ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓንቲ ኣካል ናይ መንግስቲ ጀርመን እያ። ናይ ሃገረ ጀርመን ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ከምኡውን ፖለቲካ ኤውሮፓን ተካይድ። ምስ ካልኦት ሃገራትን ኢንተርናሽናል ትካላትን ትራኸብ። ናብ ሃገር ጀርመን ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት ሓበሬታ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ይረኽቡ። 

die Ausreise, die Ausreise (ምስጓግ ወይ ምውጻእ ካብ ዓዲ)
Ausreise ማለት፡ ነዛ እትነብረላ ዘለኻ ሃገር ምግዳፍ ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ እዚ ምግዳፍ ብግዲ ይኸውን። ብድሌትካ ዘይኮነ ማለት’ዩ። ግዱድ ምውጻእ ካብ ሃገር ጥርዝያ ማለት እዩ። 

das Auswärtige Amt (ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት)
ሚኒስትሪ ዋጻኢ ጉዳያት ውን ትበሃል፡፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሓንቲ ኣካል ናይ መንግስቲ ጀርመን እያ፡፡ ተልእኮኣ ናይ ጀርመን ናይ ወጻኢ ፖለቲካን ናይ ኤውሮፓ ፖለቲካን ምክያድ እዩ፡፡ ምስ ካልኦት ሃገራትን ዓለም ለኻውያን ውድባትን ርክብ ትምስርት፡፡ ኣብ ቢት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ፡ ሓደ ሰብ ናብ ጀርመን ንምእታው ዘድሊ ሓበሬታ ይረክብ፡፡ 

der Ausweis, die Ausweise (ናይ መንነት ወረቐት)
እዛ ወረቐት እዚኣ መንነትካ ተረጋግጽ። ናይ መንነት ወረቐት ብመልክዕ ካርድ ወይ ፓስፖርት ትዋሃብ። ናይ መኪና ምመርሒ ወረቐትውን /ፓቴንቲ/ ናይ መንነት ወረቐት እያ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

B

der Bankeinzug (ኣገባብ ክፍሊት ናይ ባንክ) 
ብባንክ ዝኽፈል ኣቅሓ ኣብ ትዕድገሉ እዋን ነዚ ኣገባብዚ ትጥቀመሉ ። እቲ ሸያጢ ንብረት ፡ ነቲ ክፍሊት ናይ ዝሸጦ ንብረት ካብ ባንክ ክወስዶ ይኽእል። ንስኻ ካብ ሕሳብ ቁጽሪ ናይ ባንክኻ ንኽወስድ ተፍቅደሉ። እታ ባንክ ኣብ ጀርመን ምስትርከብ ዝኾነ ይኹን ናይ መሳለጢ ዋጋ ኣይትሕተትን ኢኻ፡፡ ብኢንተርነት ከይተረፈ ዝዕደግ ኣቕሓ ወይ ውን ኢንሽራኑስ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ክትከፍል ትኽእል። ቀጻሊ ወርሓዊ ክፍሊታት ከም እኒ ዋጋታት፡ ናይ ተሌፎን፡ ጋዝ፡ ኢንተርነት ወዘተ.. በዚ ኣገባብ ይኽፈል። ይኹንምበር በዚ ኣገባብ እዚ ዝግበር ክፍሊታት፡ ንኣብነት እታ ገንዘብ እትወስድ ኢንሽራኑስ ፡ ወይ ዝኾነ ይኹን ትካል፡ ንስኻ ዋና ሕሳብ ከምምዃንካ መጠን ፡ ካብቲ ናትካ ባንክ ሕሳብ ኣብ ወርሒ ወርሒ ክትወስድ ከምትኽእል ፍቓደኛ እንተኾንካ ጥራይ እዩ። 

der Benutzername, die Benutzernamen (ስም ተጠቃሚ)
እዛ ስም እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ኢንተርነትን ኣብ ኮምፒተርን ትጥቀመላ። 

das Bargeld (ጥረ ገንዘብ)
ብወረቐትን ሓጺንን እዩ፡፡ ኣብ ኩሉ ቦታ በዚ ኣገባብ ትኸፍል። 

die Beglaubigung, beglaubigen (ምስክርነት)
እቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ወይ ሰነድ ሓቀኛ ምዃኑ ፡ ብማሕተምን ፊሪማን ብወግዒ ምርግጋጽ ማለት እዩ። 

die Behörde, die Behörden (በዓል መዚ)
በዓል መዚ ብሕጊ መሰረት ክትግበሩ ዘለዎም ዕማማት ዝፍጽም መንግስታዊ ትካል እዩ። መንግስታዊ ምሕደራ ንኽካየድ ዘገልግል ኣካል ማለት እዩ።  

die Beratung (ማዕዳ)
ዝተፈላለየ ዘይበርሀ ሕቶ ምስዝህልወካ ማዕዳ ካብ ኪኢላታት ትረክብ። ንጭቡጥ ሓበሬታ Hilfe finden ተመልከት። 

der Bereitschaftsdienst, die Bereitschaftsdienste, der ärztliche Bereitschaftsdienst (ህጹጽ ኣገልግሎት)
ኣገልግሎት ሓኪም ምሸት ይኹን ለይቲ ወይውን ቀዳመ ሰንበት ምስዘድሊ እንታይ ትገብር ? ስልኪ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ደውል። ኣብ ሙሉእ ጀርመን ዝርከብ ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ቁጽሪ ስልኪ 116117 እዩ። ብጊዜ ሓደጋ ግን፡ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ዘይኮነ ናብ ኣገልግሎት ኣፈርክቡ / ረቱንግስ ዲንስት/ ብቁጽሪ 112 ደውል። 

die Berufsausbildung (ሞያዊ ትምህርቲ)
ኣብዚ ሓደ ሰብ ሞያ ይመሃር። ብዙሕ ጊዜ ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ክልተ ይምቀል፡፡ ሞያ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ሞያ ኣብ ስራሕ ፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ትምህርቲ ሞያ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ይውድእ። ይኹን እምበር ክከም ዓይነት ሞያን መዛዘሚ ትምህርትን ይፈላለ። ንማትሪክ / Abitur / ትዳሎ እንተለኻ እቲ እዋን ትምህርቲ ሞያ ሓጺር ጊዜ ይወስድ። 

das Berufsinformationszentrum (BIZ) (ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ንሞያዊ ትምህርቲ)
ሰራሕተኛታት ናይዚ ቤትጽሕፈት እዚ ኩሉ ንሞያ ዘድሊ ሓበሬታ የስንቑኻ። ኣድራሻ ናይ ሓደ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ናይ ሓበሬታ ሞያዊ ትምህርቲ፡ ምስእትደሊ ኣብ ኢንተርነት Arbeitsagentur ዝርከብ ኮይኑ፡ ብወገን የማን Adressenliste / ኣድረስ ሊስት / ዝብል ጠውቕ። 

die Berufsoberschule, die Berufsoberschulen (ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ሞያ ( Higher Vocational School ))
ኣብዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሞያ ትዛዝም። ሓደ ሰብ ትምህርቲ ሞያ ቤሩፍስ ኣውስቢልዱንግ ድሕሪ ምዝዛም፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ሞያ ይሰጋገር። 

die Berufsschule, die Berufsschulen (ቤት ትምህርቲ ሞያ ( Vocational School ))
ቤት ትምህርቲ ሞያ ሓደ ክፍሊ ናይ ሞያዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ንሞያ ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ ትምህርቲን ካልእ ምስኡ ዝወሃሃድ ዓውዲ ፍልጠትን ትቐስም። ኣብዚ ሓደ ሰብ ካብ 8 ክሳብ 12 ሰዓታት ንሰሙን ይመሃር። እተን ዝተረፋ ሰዓታት ኣብ ሓንቲ ትካል ናይ ስራሕ ብምምልላስ፡ ግብራዊ ትምህርቲ /ፕራክቲስ/ ይመሃር። ወይውን ዕጽው ክፍሊ ፡ብሎክ ኡንተርርሽት ማለት ገለ ሰሙናት ብቀጻሊ ክለሰሓሳብ /ትዮሪ/ ትመሃር፡፡ ገለ ሰሙናት ድማ ፕራክቲስ ትሰርሕ ። ኣብ ገለገለ ሞያታት ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ ሓደ ዓመት ሙሉእ ክለሰ ሓሳብ ትዮሪ ይመሃር እሞ፡ ድሕሪ እዚ ድማ ሓንቲ ትካል ደልዩ ግብራዊ /ፕራክቲስ/ ድሕሪ ምውሳኽ ትምህርቱ ይዛዝም። ከምኩሉ መደበኛ ትምህርቲ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዘድልየካ ዝህልወካ ወጻኢታት ፡ ንመግዝእ ናውቲ ትምህርቲ ጥራይ ዝውዕል እዩ። 

die Bewerbung, die Bewerbungen (ማመልከቻ)
ኣብ ሓደ ትካል ክትሰርሕ ትደሊ ዶ? ማመልከቻ ትጽሕፍ እዚ ማለት ከምቲ ልሙድ ናይን ሂወት ከይድን፡ ስእልን ምስክር ወረቓቕትን ዝሓዘ ደብዳቤ ተቕርብ። እቲ ካልኣይ ክፋል ናይ ማመልኸቻ ቃለመሕትት እዩ። ዘቕረብካዮ ማመልከቻ ተቀባልነት እንተ ረኺቡ ብወሃቢ ስራሕ ንቃለ መጠይቕ ትዕደም ። ንተወሳኺ ሓበሬታ  Arbeitsagentur ተመልከት። 

die Bewerbungsunterlagen (ናይ ማመልከቻ ዶኩመንት) 
እዚ ዶኩመንት እዚ ጽሑፍ ደብዳቤ ናብ ሓንቲ ትካል የማልእ ። ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳቤ ስለምንታይ ነቲ ክፍት ናይ ስራሕ ቦታ ክተመልክት ደሊኻ ? ብኸመይ ተሰላስሎ ? ብቕዓትካ ? ትገልጽ፡፡ ብተወሳኺ ስእሊን፡ ናትካ ናይ ሂወት ከይድን ፡ ብሰንጠረጅ መልክዕ ዝተዳለወ ናይ ሞያ ዝርዝርን፡ ከምኡውን ናትካ ናይ ምስክር ወረቓቕትን ምስኡ ተተሓሕዝ። 

die Botschaft, die Botschaften (ኤምባሲ)
ኤምባሲን ቆስልን ተመሳሳሊ እዩ። ወኪል ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ካልእ ሃገር ማለት እዩ። ንቆንስል www.diplo.de ተመልከት። 

die Broschüre, die Broschüren (ፋንፍለት)
ከይከፈልካ ዝውሰድ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ። 

das Bundesland, die Bundesländer (ፈደራላዊት ኣውራጃ)
16 ኣውራጃታት ፈደራላውያን ኣውራጃታት ብሓባር ሓንቲ ፈደራላዊት ሃገር ጀርመን መስሪተን። ሓንቲ ፈደራላዊት ኣውራጃ / ቡንደስላንድ/ ንኣብነት ባየር ሄሰን ወይ ከኣ ኖርድራይንቬስትፋለን ዝብሃላ ሰፊሕ መሬት ኣለወን። ይኹን እንበር ከተማታት እንከለዋ ውን ንኣብነት ሃምቡርግን በርሊንን ከምፈደራላውያን ኣውራጃ ይፍለጣ። ነፍስወከፍ ኣውራጃ ናታ መንግስትን ፓርላማን ባይቶን ኣለዋ። ሓንቲ ፈደራላዊት ኣውራጃ ገለገለ ዝተወሰነ ጉዳያት ብናታ ውሳኔ ተመሓላልፍ እያ። ንኣብነት ኣብ ዓውደ ትምህርቲን ባህልን። ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ውሳኔታት ግን፡ ማለት ብደረጃ ፈደራላዊት ሃገር ዝርአ ምስዝኽእውን ፡ ብመንግስቲ ሙሉእ ጀርመን ይውሰን። 

der Bundestag (ፓርላማ)
ናይ መንግስቲ ጀርመን ፓርላማ / ቡንደስ ታግ / ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣየኖት ሰልፍታት ኣብ ፓርላማ ይውከላ ንዝብል ሕቶ፡ ህዝቢ ባዕሉ ኣብ ምርጫ ይውስኖ። 

brutto (ጠቅላላ ኣታዊ)
/ ብሩቶ / ዝባሃል ጠቅላላ ኣታዊ ናይ መሃያ ወይ ደሞዝ እዩ። ካብዚ ጠቅላላ ኣታዊ ፡ ኢንሽራኑስን ናይ መንግስቲ ቀረጽን ይጎድል፡፡ እቲ ዝተረፈ ጹሩይ ኣታዊ / ነቶ / ይብሃል። 

das Bußgeld, die Bußgelder (ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ)
ቀይሕ ናይ ትራፊክ መህብራህቲ ተወሊዑ እንከሎ ብእግሪ ጥሒስካ ሓሊፍካ ዶ ? ከምኡውን ኣብ ናይ ኣጋር ጽርጊያ /ማርቻፔዲ/ ብሽክለታ ዶ ዘዊርካ ? ወይ ድማ ኣልኮል ሰቲኻ መኪና ዶ ዘዊርካ ? ነዚ ምስእትጥሕስ ብፖሊስ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ይብየነልካ። ሓደ ሓደ ጊዜ እቲ መቕጻዕቲ 5 ክሳብ 10 ኤውሮ እዩ ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ዝበዝሓሉ እዋን ድማ ኣሎ። ወይውን መምርሒ መኪና / ፓቴንቲ / ትምንጠል። ፓቴንቲ ኣንተተመንጢልካ ንዝተወሰነ እዋን መኪና ክትዝውር ኣይፍቀድን።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

C

D

der Dauerauftrag, die Daueraufträge (ቀጻሊ ናይ ክፍሊት ውዕል)
እዚ ቀጻሊ ናይ ክፍሊት ውዕል እዚ ፍሉይ ዓይነት ኣገባብ ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ እዩ። ገዛ ክራይ ብዙሕ ጊዜ በዚ ኣገባብ እዚ ይኽፈል። ንስኻ ገንዘብ ዝመሓላለፈሉ እዋን ትውስን። ንኣብነት ቀዳመይቲ ዕለት ናይ ነፍሲወከፍ ወርሒ ገንዘብ ናይ ገዛ ክራይ ኣብ ናይ ኣካራይ ሕሳብ ባንክ ክመሓላለፈልካ ትጽሕፍ። ብድሕሪ እዚ እታ ገንዘብካ ተቐምጠላ ባንክ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ዕለት ናይ ነፍሲወክፍ ወርሒ ካብ ሕሳብካ እናስሓበት ናብ ሕሳብ ዋና ናይ ገዛ ኣካራይ ብዘይምቁራጽ ተመሓላልፍ። 

die Deutsche Sprachprüfung für den Hochschulzugang/TestDaF (መርመራ ቋንቋ ጀርመን ንመእተዊ ላዕለዋይ ትምህርቲ)
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ላዕለዋይ ፖለተክኒክ ኢንስቲትዩት ናይ ጀርመን ክትመሃር ምስእትደሊ ከምግቡእ ጽፉፍ ክእለት ናይ ቋንቋ ጀርመን ከምዘለካ ንምርግጋጽ መርመራ ክትገብር ይግባእ። ብዙሕ ጊዜ እዚ መርመራ እዚ ገና ኣብ ሃገርካ እንከለኻ እውን ይውሰድ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ www.dsh-germany.com, www.dsh-termin.de www.testdaf.de ተወከስ። 

der Deutschtest für Zuwanderer (ፈተና ቋንቋ ጀርመን ንሓደስቲ ምጻእ)
እዚ ፈተና እዚ ንምውህሃድ ማለት ኢንተግራሲዮን ዘብቅዕ ዛዛሚ ፈተና እዩ። እዚ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ምስ ወሰድካ እቲ ፈተና ትፍተን። ፈተና እንተሓለፍካ ፡ ናይ ቋንቋ ጀርመን ክእለት ደረጃ ኤ2 ወይ ቢ1 ይወሃበካ። 

das duale System (ድርብ ሲስተም)
ኣብ ዓይነት ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ሃገረ ጀርመን ብድርብ ሲስተም ይውሃብ እዩ። ድርብ ሲስተም ክልተ ዓይነት እዩ። ግብርን ክልሰ ሃሳብን እዩ። እቲ ግብራዊ ክፋል ብቀጥታ ኣብ ሓደ ትካል ብግብሪ ትመሃር። ከም ተዓላማይ ትሰርሕ ቅሩብ ደሞዝ ወይ ናይ ጁባ ገንዘብ /ፖከትማኒ/ ይወሃበካ። እቲ ካልእ ናይ ክልሰ ሃሳብ ወይ ቲዮሪ ትምህርቲ ግን ፡ኣብ ቤትትምህርቲ ሞያ ማለት ቤሩፍ ሹለ ትወስዶ። 

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

E

die EC-Karte, die EC-Karten (ኤሰ ካርተ)
ኤሰ ካርተ ንሓደ ኣብ ባንክ ወይ ኣብ ናይ ቁጠባ ባንክ ፡ ሞርገጅ /እስፓር ካሰ/ ሕሳብ ንዘኸፈተ ሰብ ይውሃብ። ኤሰ ማለት ኤለትሮኒክ ካሽ ማለት እዩ። ኣከፋፍላ ገንዘብ ብኤለትሮኒክ ይኸውን። ንኣብነት ኣብ ሱፐር ማርከትን ፡ዓበይቲ ዱኳናትን ፡ዓበይቲ ትካላትን ይዝውተር። ንኣሽቱ ድኳናትን ከም እንዳ ባኒ እንዳ ዓሳ ተወናጨፍቲ ሸቃጦ ወዘተ …ዝኣመሰላ ግን ጥረ ገንዘብ ጥራይ ይቕበላ። ኤሰ ካርተ ተጠቂምካ ካብ ኣውቶማቲክ ባንክ ገንዘብ ክተውጽእ ትኽእል። 

die Eheberatung, die Eheberatungen (ኣማኻሪ ሓዳር)
ኣብ ሓዳር ዘይምርድዳእ ምስዝህሉ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ሓዳር ክኸይድ ይኽእል፡፡ ኣብኡ ሓገዝ ይረኽብ። ሓደ ኣማኻሪ ወዲ ወይ ጓል ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምስቶም ሰብ ሓዳር ይመያየጥ። ብሓባር ኮይኖም ድማ ነቲ ሽግር ክፈትሕዎ ይጽዕሩ። 

die Eheurkunde, die Eheurkunden (ናይ ሰብ ሓዳር ምስክር ወረቀት)
ተመርዒኻ ዶ ? እንተተመርዒኻ ሓደ ሰነድ ካብ ቤትጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ይውሃበካ። እዚ ናይ ምስክርነት ሰነድ እዩ። ናይ ሰብ ሓዳር ምስክር ወረቐት / ኤሀ ኤርኩንደ / ብኻልእ ኣሰያይማ ናይ ቃል ኪዳን ምስክር ወረቐት / /ሃይራትስ ኤርኩንደ / ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

die Einbürgerung, einbürgern (ምቕባል ዜግነት)
ሓደ ሰብ ናይ ጀርመን ዜግነት ይወሃቦ ማለት እዩ። 

der Einstufungstest, die Einstufungstests (መምዘኒ ደረጃ ፍልጠት)
ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማርካ ናይ ፍልጠት ደረጃ መምዘኒ ፈተና ኣሎ። እታ ቤትትምህርቲ ምጣኔ ፍልጠትካ ትመዝኖ፡፡ እዚ ፈተና እዚ ቅድሚ ናይ ምውህሃድ ኮርስ / ኢንተግራስዮንስኩርስ / ምስታፍካ ይውሰድ። ቤት ትምህርቲ ቋንቋ፡ ናይ ቋንቋ ጀርመን ብቕዓትካ ትመዝን። ብድሕሪኡ እቲ ደረጃኻ ይምዘን። እዚ ፈተና እዚ ፡ ኣብ ፍሉይ እዋናት፡ ጌና ናይ ምውህሃድ ኮርስ ንምስታፍ ማመልከቻ ኣብ ትጽሕፈሉ ጊዜ ክተማልኦ ከምዘለካ ትሕተት። 

das Einwohnermeldeamt, die Einwohnermeldeämter (ናይ ነበርቲ ምዝገባ ቤት ጽሕፈት)
ኣብ ሓደ ከተማ ምስእትግዕዝ ክተመልክት ትግደድ። እዚ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ነበርቲ ምዝገባ ትኸይድ። ኣብኡ ዕለቱ ዘይወደቐ ፓስፖርት ኣርኢኻ ትምዝገብ። 

die elektronische Lohnsteuerkarte, die elektronischen Lohnsteuerkarten (ኤለትሮኒካዊ ናይ ቀረጽ ካርድ)
ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ እዋን ንወሃቢ ስራሕ ናይ ቀረጽ መለለይ ቁጽሪ ትህብ። እዚ መለለይ ቁጽርዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ትረኽቦ። እዚ ኤለትሮኒካዊ ናይ ቀረጽ ካርድ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ወሃቢ ስራሕ በዚ ካርድ እዚ ቀረጽ ይኸፍል። ዝተሰልዓልካ ቀረጽ ደማሚሩ ካብ ደሞዝ ወይ መሃያ ኣጉዲሉ፡ ንቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ይልእኽ። ቀደም እዚ ናይ ኤለትሮኒካዊ ቀረጽ ኣከፋፍላ፡ ብሓደ ናይ ወረቐት ካርድ ይሳለጥ ኔሩ። ሎሚ ኩሉ ናብ ኤለትሮኒካዊ ተሰጋጊሩ። ማለት ናብ ኮምፒተር። 

der Elternabend, die Elternabende (ናይ ወለዲ ምሸት)
ኣብ ሓደ ዓመት ብዙሕ እዋናት ናይ ወለዲ ምሸት ኣሎ። ኣገዳሲ ሓበሬታ ናይ ቤት ትምህርቲ ንወለዲ ይውሃብ። ንኣብነት፡ ናይ ተማሃሮ ናይ ዙረት መደብ፡ ናይ ክፍሊ ናይ ሓባር ግዕዞ፡ ወዘተ….. ይዝተየሉ። ብተወሳኺ ድማ ምስ ካልኦት ወለዲ ትላለ። 

das Elterngespräch, die Elterngespräche (ናይ ወለዲ ዘተ)
ቆጸራ ምስ መምህር ናይ ቤት ትምህርቲ ይውሰድ። ሓበሬታ ብቐጥታ ካብ መምህር ይወሃበካ። ብዛዕባ ኩነታት ጠባይን ትምህርትን ናይ ቆልዓኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይንገረካ። 

die Elternvertretung, die Elternvertretungen (ናይ ወለዲ ወኪል)
እዚኣቶም ኣብ ኣጸደ ህጻናት ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ቆልዑት ዘለዎም ወለዲ እዮም። ኩሎም ወለዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወኪል ይመርጹ። እዚ ወኪል ናይ ወለዲ ንተማሃሮ ኣብ ፕሮጀክታት ይሕግዝ። ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ምትሕድዳስ ናይ ቤትትምህርቲ ምስዘድሊ ወይውን ምኹስኳስ ጀራዲን ምስዝህሉ፡ ሓደ ወኪል ወለዲ ኣብዚ ስራሕዚ ይተሓባበር። 

die Elternzeit (ናይ ወለዲ ሓለዋ)
ነባሪ ስራሕ ዘለዎ ወለዲ ናይ ወለዲ ሓለዋ ክጥቀሙ ይኽእሉ። ማለት ሓደ ህጻን ክሳብ ሰለስት ዓመት ዝመልኦ ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ኣብ ገዛ ኮይኑ ይከናከኖን ይሕልዎን። ክልቲኦም ወለዲውን መደብ ናይ ሓለዋ ወለዲ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ህጻን ሰለስተ ዓመት ምስመልኦ ናብ ንቡር ስርሖም ይምለሱ። እቶም ቀዳሞት 12ኣዋርሕ ናይ ወላዲ ገንዘብ ይወሃቦም። ብዝሒ 67% ካብ ጽሩይ ኣታዊ ደሞዞም ይወሃቦም ማለት ኩሉ ቀረጽ ተከፊሉ ንባንክ ካብ ዝስደድ ገንዘብ እዩ። ድሕሪ እዚ ግን ዝኮነ ይኹን ገንዘብ ወይ ኣታዊ ኣይወሃብን እዩ። 

der Erzieher/die Erzieherin, die Erzieher (መምህር)
እዚ ሓደ ሞያ እዩ። ነዚ ንምምላእ ሓደ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ኢንስትትዩት ወይ ሞያዊ ትምህርቲ ይመሃር። እቲ ትምህርቲ ሳይኮሎጂ ወይ ፔዳጎጊ ወይ ጥዕና ወይ ስፖርት ወዘተ…. ይኸውን። ናይ ህጻናት መማህራን ንኣብነት ኣብ ኣጸደ ህጻናትን ኣብ እንዳ መዕበያ ዘኽታማትን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንእሰይን ይሰርሑ። 

der Ethikunterricht (ስነ ምግባር / ሞራል /)
ኣብ ብዙሓት ኣውራጃታት ጀርመን ሓደ ተመሃራይ ትምህርተ ሃይማኖት ወይ ስነ ምግባር / ሞራል / መሪጹ ይመሃር። ኣብ በርሊን ተማሃሮ ሞራል ክመሃሩ ይግደዱ፡፡ ኣብ ክፍሊ ናይ ስነ ምግባር ንምስታፍ እምነት ሃይማኖት ኣየገድስን እዩ። እቲ ተመሃራይ ብዛዕባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ይመሃር። 

die EU, die Europäische Union (ኤውሮፓ ሕብረት)
ኤውሮፓ ሕብረት ቁጠባውን ምሕዝነት ኣብ ሞንጎ ኤውሮፓ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ 27 ኣባላት ሃገራት ኣለዋ። ሓባራዊ ናይ ናጽነትን ማዕርነትን ዲሞክራስን ኣረኣእያ ኣለወን። ሃገራት ናይ ሓባር ዕዳጋ ንፍርያተንን ንስራሕ ዝምልከት ስምምዕ ኣለወን። ንኣብነት ፡ ሓደ ዜጋ ኣባል ኤውሮፓዊት ሕብረት ናይ ዝኾነት ሃገር፡ ኣብ ካልእ ኣባል ሃገር ከይዱ ክሰርሕን ክቕመጥን ይኽእል። ካብኣታተን 17 ሃገራት ካብ ሞንጎኣን ሓደ ዓይነት ገንዘብ ኣለወን። ኤውሮ ይበሃል። 

der Europäische Wirtschaftsraum (ቁጠባዊ ሕብረት ኤውሮፓ)
ንኹለን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት /አ. ኡ./ ከምኡ ዉን ኢስላድን ሊሽተንእሽታይን ኖርወይን ሓዊሱ የጠቓልል።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

F

das Fachabitur መዛዘሚ ፈተና ተክኒካዊ ኮለጅ (Vocational Diploma))
ናይ ትምህርቲ መዛዛሚ ፈተና እዩ። መልቀቒ ፈተና ተክኒካዊ ኮለጅ፡ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ ናይ ቤትምህርቲ ተግባረ እድ (Full time Vocational School – Berufsfachschule) ፡ ወይ ድማ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣካደሚ (Specialised Academy Fachakademie) ፡ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ቤትምህርቲ ሞያ (Higher Vocational School -Berufsoberschule) ይውሰድ። ካብኡ ትወሳኺ ድማ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ሩሑቕ ( Correspondence School - Fernstudium) ወይ ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞያዊ ኮለጅ (Vocational College – Berufskolleg) ይውሰድ። ክልተ ዓይነት መልቀቒ ፈተና መዛዘሚ ተክኒካዊ ኮለጅ ኣሎ፡፡ ላዕለዋይ መዛዘሚ ተክኒካዊ ኮለጅ (Advanced Technical College Certificate -Fachhochschulreife) ፡ ከምኡውን ማትሪክ (University Entrance Certificate –Fachgebundene Hochschulreife) ተባሂሉ ይፈላለ። ድሕሪ ማትሪክ ወይ መዛዘሚ ፈተና ተክኒካዊ ኮለጅ ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ እንስትትዩት ወይ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ ይመሃር። 

die Fachoberschule, die Fachoberschulen (ዲፕሎማ ሞያ ብደረጃ ተግባረእድ (Technical Secondary School)
ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ (Intermediate High School - Realschule) ሓደ ተመሃራይ ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞያ ብደረጃ ተግባረእድ (Technical Secondary School - Fachoberschule) ክመሃር ይኽእል። እዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ኣብ ሞያ ዘተኮረ እዩ። ንኣብነት ኣብ ፡ ትምህርቲ ሞያ ብደረጃ ተግባረእድ (Technical Secondary School – Fachoberschule) ሓደ ሰብ ክልተ ዓመት ይመሃር ፡ ማለት 11 ከምኡ ድማ 12 ክፍሊ ። ናይ ግብርን /ፕራክትስ/ ፡ ክልሰሓሳብን / ተዎሪ/ ዓይነት ትምህርቲ፡፡ እንደገና ድማ ብተወሳኺ፡ ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ ልምምድ / ፕራክቲኩም / ናይ ስራሕ ኣብ ሓደ ትካል ክወስድ ኣለዎ። እዚ ትምህርቲ ናይ ሞያ ብደረጃ ተግባረእድ (Technical Secondary School – Fachoberschule) ንሓደ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፖሊቴክኒክ(Fachhochschule) ንኽመሃር የኽእሎ። 

die Fachhochschule, die Fachhochschulen (ፖለቴክኒክ)
ሓውሲ ናይ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ዘለዎ ብዝያዳ ግን ናብ ቴክኒካዊ ወይ ግብራዊ ስርሓት ዘተኮረ ትምህርቲ ይወሃብ። ፖለ ቴክኒክ ፋኽ ሆኽሹለ ማለት እዩ ትምህርቲ ናይ ህንድስና ቁጠባ ፔዳጎጊ ከምኡውን ስነጥበባዊ ሞያታት ኣለዎ። ሓደ ተመሃራይ ኣብ ሓደ ፖለ ቴክኒክ ክመሃር ምስዝደሊ፡ ፈተና ማትሪክ / ኣቢቱር / ወይ ናይ ሞያ ማትሪክ / ፋኽ ኣቢቱር/ ክህልዎ ይግባእ። 

die Fahrscheinkontrolle, die Fahrscheinkontrollen (ምቁጽጻር ቲኬት ተሳፈርቲ)
ንስኻ፡ ብኣውቶቡስ፡ ወይ ብናይ ከተማ ባቡር / እሽትራሰን ባን/ ፡ ወይ ብባቡር ትሕቲ መሬት /ኡባን/ ፡ ወይ ብባቡር ማዓሙቅ ምድሪ / ኤስባን/ ፡ ወይ ውን ኣብ ዓዲ ኣቋራጭ ባቡር /ሱግ/ ተሳፊርካ ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን፡ ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ መጺኦም ፡ ናይ ተሳፋሪ ቲኬት ይሓቱኻ ። እዚ ናይ ተሳፋሪ ቲኬት አንተዘይብልካ፡ እንኮላይ ብገንዘብ መቕጻዕቲ ተደሚሩዎ ትኸፍል። 

der Fahrzeugschein, die Fahrzeugscheine (ናይ መኪና ደብተር (ሊብረቶ))
ናይ ፍቃድ ወረቐት ተባሂላ ውን ትጽዋዕ። እዛ ደኩመንት እዚኣ ኩሉ ሓበሬታ ናይ ሓንቲ መኪና ትሕዝ። ዓይነት መኪና ፡ ንኣብነት ፊያት ወይ ቮልክስ ወዘተ… ታርጋ መኪና፡ ስም ዋና መኪና፡ ዘዋሪ መኪና……። ኣብታ ዶኩመንት ኩሉ ንመኪና ዘድሊ ተክኒካዊ ሓበሬታ ይንበብ። ሊብሬቶ መኪና ካብ ቤት ጽሕፈት ትራፊክ ይወጽእ ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ትራፊክ፡ ሓደ ሰብ መኪንኡ ትምዝገብ። ሓደ ሰብ ለብረቶኡ ኩሉ ጊዜ ምስኡ ክሕዝ ኣለዎ። ኣብ መኪና ክግደፍ የብሉን። መኪና እንተተሰሪቃ እቲ ሰብ ንፖሊስ ሪፕለቶ የሪኢ። 

das Familienstammbuch, die Familienstammbücher (ደብተር ሓረገ ትውልድ)
ደብተር ሓረገ ትውልድ ምስ ተመርዓኻ ይወሃበka። ኣብ ደብተር ሓረገ ትውልድ ፡ ሓበሬታ ናይ ስድራ ንኣብነት ወለዲ መነመን እዮም ? መበቆሎምከ ? ስም ጥምቀት ናይ ባዓልቲ ሓዳር ? ወለዲ መነመን ይበሃሉ ? መበቆሎም ? ብዝሒ ቀልዑት ? ወዘተ ይሰፍር። 

die Filiale, die Filialen (ጨንፈር)
ዓበይቲ ባንክታትን፡ ናይ ቁጠባ ባንክን / ሞርገጅ / ወይውን ዓበይቲ ሸቐጣ ሸቐጥ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጨናፍር ኣለወን ። ብዙሓት ባንክታትን ፡ ናይ ቁጠባ ባንክን ፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን ጨናፍርን ኣለወን ። 

die Flatrate, die Flatrates (ውሱን ዋጋ)
ክንደይ ሰዓት ተለፎን ደዊልካ ወይ ኢንተርነት ተጠቂምካ ብዘየገድስ ፡ ሓደ ዓይነት ዋጋ ትኸፍል። 

die Förderschule, die Förderschulen (መሳለዪ ቤትትምህርቲ)
ደንጉዩ ዝርድኦም ወይ ጽቡቕ ዘይርድኦም ቆልዑት ኣብዚ ቤትትምህርቲ ፎርደርሹለ ዝበሃል ይኸዱ። 

der Führerschein, die Führerscheine (ፍቓድ መዘወሪ መኪና)
ናይ ገዛ መኪና፡ ወይ ናይ ጽዕነት መኪና ወይ ሞቶ ሳይክል ትዝውር ዶ ? ፍቓድ መምርሒ መኪና ክህልወካ የድሊ፡፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ፍቓድ መዘወር መኪና ፡ ክትዝውራ ዝፍቀደልካ ዓይነት መኪናን ፡ ናይ ገዛ ይኹና ወይ ናይ ጽዕነት ወይ ሞቶ ተጠቒሰን ይርከባ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

G

die Ganztagsschule, die Ganztagsschulen (ቤት ትምህርቲ ቀትሪ All-day-School)
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ቆልዑት ክሳብ ሰዓት 4 ወይ 5 ድሕሪ ቀትሪ ይመሃሩ። ምሳሕ ይወሃቦም ፡ ዕዮ ገዛ ንክሰርሑ ይሕገዙ፡ ወይ ውን ፍሉይ ኮርስ ክመሃሩ ይኽእሉ። ንኣብነት መሳርሒ ሙዚቃ ፡ ስፖርት ወይ ተዋስኦ ይመሃሩ ። እታ ቤት ትምህርቲ ናይ መንግስቲ ምስእትኽውን ገንዘብ ኣይኽፈልን ፡፡ ናይ ብሕቲ ግን ከፊልካ እዩ። 

die Garantie, die Garantien (ውሕስነት (ጋራንቲ guarantee))
ሓደ ኣቕሓ ማለት ተለቪዥን ገዝእካ ምዝበላሸወካ። መብዝሕትኡ እዋን ውሕስነት ናይ ንብረት ስለዘለዎ ንኣብነት ተለቭዝን ናብቲ ዝዓደካሉ ድኳን ክትመልሶ ትክእል። እታ ድኳ ወይከኣ ነቲ ኣቅሓ ዘፍረየት ኩብንያ ነቲ ንብረት ትትካኣልካ ወይ ተዓርየልካ። ውሕስነት ኣቕሓ ግን ንዝተወሰነ እዋን መብዝሕትኡ ጊዜ ንሓደ ዓመት ወይውን ንገለ ዓመታት ጥራይ የገልግል። 

die Geburtsurkunde, die Geburtsurkunden (ናይ ልደት ምስክር ወረቐት)
ንልደተ ህጻን ዝምልከት ሓበሬታ ይሰፍራ። ስም ህጻን ፡ ጾታ ፡ ዕለተ ልደት ፡ ቦታ ፡ ስም ናይ ወለዲ ይሰፍሮ። እዛ ዶከመንቲ እዚኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ትወጽእ። 

das Gehalt, die Gehälter (ደሞዝ)
እዚ ንነፍሲወከፍ ቀዋሚ ሰራሕተኛ ኣብ ወርሒ ወርሒ ዝዋሃብ ገንዘብ እዩ። ደሞዝ እንተሓመምካ ወይ ውን ዕረፍቲ እንተወሰድካ ይወሃብ እዩ። ጠቅላላ ደሞዝ / ብሩቶ / ይበሃል፡፡ ካብኡ ቀረጽ መንግስትን ኢንሽራንስን ትኸፍለሉ ፡፡ ዝተረፈ ጽሩይ ኣታዊ / ነቶ / ይበሃል። 

die Gesamtschule, die Gesamtschulen (ሓፈሻዊ ቤት ትምህርቲ Comprehensive School)
ሓፈሻዊ ቤት ትምህርቲ፡ ሕውስዋስ ናይ ታሕተዋይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ (Lower High School – Hauptschule) ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ( Intermediate High School – Realschule ) ከምኡውን ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ጂምናዙም (Gymnasium) እዩ። ተማሃሮ ዝተፈላለየ ሚዛን ዓይነት ትምህርቲ ይወስዱ። ኣብ ቁጽሪ ድኽም ዝበለ ቆልዓ፡ ቅልል ዝበለ ዓይነት ትምህርቲ ይወሃቦ ፡፡ ካልእ ቆልዓ ኣብ ቋንቋ ኣንግሊዝ ንፉዕ ምስዝኸውን ድማ፡ ኣብ ዝኸበደ ዓይነት ትምህርቲ ይወስድ ። ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ቤት ትምህርቲ ተዛኒቖም ወይ ተሓዋዊሶም ይመሃሩ። ይኹን እምበር ሓፈሻዊ ቤት ትምህርቲ ግን ፡ ኣብ ዝኮነ ቦታ ኣይርከብን እዩ።  

die Gewährleistung, die Gewährleistungen (ውሕስነት)
ሓደ ዝተበላሸወ ኣቕሓ ናብ ሸያጢኡ ማለት / ካውፍሃውስ / ኣንደገና ንምምላስ ዘኽእል መሰል ማለት እዩ። መተካእታ ካልእ ሓድሽ ኣቕሓ ይወሃብ ወይ ገንዘብ ይምለሰልካ። ወይውን ምስቲ ሸያጢ ተሰማሚዕካ ፡ ዋጋ ናይቲ ኣቕሓ ይንከየልካ። ቅብሊት ምሓዝ ጽቡቕ እዩ። ናይ ግድን ግን ክህልወካ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። 

der Gewerbeschein, die Gewerbescheine (ናይ ትካል ፍቓድ)
ናትካ ትካል ክትምስርት ትደሊ ዶ ? ቤት መግቢ ወይ እንዳ ሻሂ ወይ ድኳን ክትከፍት ትደሊ ዶ ? ነዚ ንምግባር ፍቓድ የድልየካ። ካብ ቤት ጽሕፈት ትካል ዋኒን ትረኽቦ። ምስኣ እዘን ዝስዕባ ሰነዳት የድልያኻ። ፓስፖርት፡ ናይ መንበሪ ወረቐት ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ ናይ ፖሊስ መጻረይ ወረቐት / ክሊራንስ / የድልየካ። ናይ ንግድ ፍቃድ ንምውጻእ ካብ 20 ክሳብ 60 ኤውሮ ትኸፍል። 

das Gewerbeamt, die Gewerbeämter (ቤት ጽሕፈት ትካል ዋኒን)
ናትካ ትካል ክትምስርት ትደሊ ዶ። ሸቐጥ ቤት መግቢ ወይ ኣንዳ ሻሂ ክትከፍት ትደሊ ዶ። ነዚ ንምግባር ናይ ንግድ ፍቃድ /ጌቨርበ ሻይን / የድሊ። ካብ ቤት ጽሕፈት ትካል ዋኒን ትረኽቦ። 

die Gewerkschaft, die Gewerkschaften (ማሕበር ሰራሕተኛ)
ንረብሓ ሰራሕተኛታት ዝቖማ ማሕበራት እየን። 

das Girokonto, die Girokonten (ተንቀሳቓሲ ሕሳብ)
ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ዘድሊ ኣገዳሲ ናይ ባንክ ተንቀሳቃሲ ሕሳብ እዩ። ናብዚ ቁጽሪ ሕሳብ እዚ ንኣብነት ዶሞዝ ወይ ጥሮታ ወይ ቀለብ ቆልዓ / ኪንደር ገልድ/ ይልኣኽ፡፡ ከምኡ ድማ ብዙሕ ጊዜ ሰባት በዚ ሕሳብ እዚ ወጻኢታቶም ይኸፍሉ። 

die Grundgebühr, die Grundgebühren (መሰረታዊ ክፍሊት)
እዚ መሰረታዊ ክፍሊት እዚ ናይ ግድን ወርሓዊ ይኽፈል። 

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

H

die Hausordnung, die Hausordnungen (መምርሒ ኣጠቓቕማ ገዛ)
ብሓባር ኣብ ገዛውቲ ንዝነብሩ ሰባት ዘድሊ መምርሒ እዩ። ንእብነት ,, ሓደ ነባሪ ገዛ ሓደ ጊዜ ንወርሒ ኣስካላ ገዛ ከጽሪ ኣለዎ,, ይብል። ካልእ መምርሒ ድማ ,,ቆልዑት ኣብ ቅድሚ ገዛ ዝርከብ ሸኻ ጎልጎል ክጻወቲ ይኽእሉ። ኣብ ጋራጅ ምጽዋት ግን ኩልኩል እዩ,, ይብል። ኩሉ መምርሒ ገዛውቲ ግን ሓደ ዓይነት እይኮነን። ,, መምርሒ ኣጠቓቕማ ገዛ ,, ንተኻረይቲ፡ ከም ልሙድ ምስ ውዕል ገዛ ክራይ ሓቢሩ ይፍረም ። 

der Hauptschulabschluss, die Hauptabschlüsse (der Hauptschulabschluss, die Hauptabschlüsse መዛዘሚ ታሕተዋይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ (Completion of Lower High School))
ሓደ ሰብ ፡ ትምህርቲ መዛዘሚ ታሕተዋይ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዝውድኣሉ እዋን ፡ ነዚ መዛዘሚ እዚ ይወስድ። እዚ ሓደ ተመሃራይ ታሽዓይ ክፍሊ ምስወድአ ይኸውን። ኣብ ገለ ኣውራጃታት ጀርመን ብቑዕ መዛዘሚ ታሕተዋይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ / Qualifizierenden Hauptschulabschluss ዝበሃል ውን ኣሎ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ፡ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብዝወዳኣሉ እዋን ናይ ብቕዓት መርመራ የካይድ። ነዚ ናይ ብቕዓት መርምራ ከካይድ ግን ኣይግደድን እዩ። ይኹን እንበር ነዚ ናይ ብቅዓት እዚ ምስዘማልእ ግን፡ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ንክረኽብ ኣድላይ ኮይኑ ኣብዝተራእዮ እዋን ፡ ቀዳምነት ንክወሃቦ ሰፊሕ ዕድል ኣሎዎ። 

die Hebamme, die Hebammen (መሕረሲት ኣደ)
ሓንቲ መሕረሲት ኣደ ሓኪም ኣይኮንትን። ይኹን እምበር፡ ኣዴታት ኣብ ዝሓርሳሉ እዋንን ከምኡውን ምስ ሓረሳ ንምክንኻን ዝተማሃረት እያ ። ንሓራሳት ኣብ ቅነ ሕርሲ ትከናኸን ኣድላይ ሕቶ ድማ ትምልስ። 

das Heimatland, die Heimatländer (መበቈል ሃገር)
መበቈል ሃገር ማለት ዝነቐልካሉ መበቈል ቦታ ማለት እዩ። ካበየናይ ዓዲ ከም ዝመጻእካን፡ ማለት ኣበይ ከም እተወለድካን ናየነይቲ ሃገር ዜግነት ከም ዘለካን ዝሕብር ኣብ ፓስፖርት ሰፊሩ ይርከብ። 

die Heiratsurkunde, die Heiratsurkunden (ናይ ቃል ኪዳን ምስክር ወረቐት)
ተመርዒኻ ዶ ? ሰነድ ቃልኪዳን ካብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ / እሽታንደስ ኣምት/ ክትረኽብ ትኽእል። ት ምስክር ቃልኪዳን እዩ። ብጀርመን ,,ሃይራትስ ኡርኩንደ,, ናይ ቃል ኪዳን ምስክር ወረቐት ወይ ,,ኤሄ ኡርኩንደ,, ማለት ናይ ሰብ ሓዳር ምስክር ወረቐት ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

das Herkunftsland, die Herkunftsländer (ዝመጻእካሉ ወይ መበቈል ሃገር)
እታ ዝመጻእካላ መበቈል ሃገር ማለት እያ። ካበየናይ ሃገር ከም ዝመጻእካ፡ ማለት ኣበየናይ ሃገር ከም እተወለድካን ናየነይቲ ሃገር ዜግነት ከም ዘለካን ኣብ ፓስፖርት ተጻሒፉ ይርከብ። 

die Hochschulzugangsberechtigung, die Hochschulzugangsberechtigungen
ኣብ ጀርመን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኽትመሃር ናብኡ ዘእቱ ብቕዓት ምስክር ክህለወካ የድሊ። መዛዘሚ ምስክር ወረቐት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ እዚ ብቕዓት’ዚ ተጥሪ ማለት እዩ። በዚ መዛዘሚ ምስክር ወረቐት ኣብ ጀርመን ኣብ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትኽእል። ዝደለኻዮ ዓውደ ትምህርቲ ግን ክትመሃረሉ ዝከኣል ኣይኮነንን። ሓደ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ከም ቅድመ ኹነት ፍሉይ ከተማልኦ ዝግባእ ነጥብታት ኣለወን። 

der Hort (መጽኒሒ ቆልዑት (Nursery))
ኣብዚ ቦታ እዚ ቆልዑት ድሕሪ ትምህርቲ ምምሃር ክሳብ ወለዶም ካብ ስራሕ ዝምለሱ ይጽበዩ። ሓደሓደ ጊዜውን ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሮም ይኽውን። ኣብ እዚ መጽኒሒ ቦታ፡ ቆልዑት ምሳሕ ይበልዑ ፡ ዕዮ ገዛ ይሰርሑ ፡ ከምኡውን ሓገዝ ይወሃቦም። ቆልዑት ዝበዝሕ እዋን ኣብዚ መጽኒሒ እዚ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ወለዶም ዝመጹዎም ይጽበዩ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

I

der Immobilienmakler, die Immobilienmakler (ደላላ ኣባይቲ)
መንበሪ ገዛ እንተደሊኻ ሓገዝ የድልየካ ዶ ? ደላሊ ኣባይቲ ወይ ድማ ብሓፈሻ ሓደ ደላሊ ክሕግዘካ ይኽእል። ን ደላሊ ግን ክትከፍሎ ኣለካ። 

die Impfung, die Impfungen (ክታበት)
መብዛሕትኡ ሕማማት ሳዕቤን ባክተሪያን ቫይረስን እዩ። ኣብ እዋን ክታበት ሓደ ሓኪም ልክዕ ተመሳሳሊ ባክተሪያ ወይ ቫይረስ እንተኾነንከ ድኹም ሓይሊ ዘለዎ መርፍእ ነቲ ሕሙም ይወግኦ። በዚ ክታበት እዚ ጸረ ኣካላት ኣንቲ ቦዲ ዝተባህሉ ሕዋሳት ይፋረዩ። እዞም ጸረ ኣካላት ሕዋሳት ንሓደ ሰብ ኣንጻር ባክተሪያን ቫይረስን ይኸላኸሉሉ። በዚ ኣገባብ እዚ እቲ ሕማም ካልኣይ ጊዜ ኣይቀላቐልን። ገለ ኣገደስቲ ክታበታት ንምጥቃስ፡ ኣንጻር ፡ ቲታኑስ፡ ንፍዮ ፍሮማይ ትኽትኽታ ፖልዮ ኩሕኩሕታ እየን።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

J

das Jugendamt, die Jugendämter (ቤት ጽሕፈት መንእሰይ)
ቤት ጽሕፈት መንእሰይ ንቆልዑትን ንመንእሰይን ንወለዲን ይሕግዝ። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ስድራ ቤት ናይ ኣእምሮ ሽግር ምስዝፍጠር ናይ ስነኣእምሮ ምኽሪ የድሊ። ሓደ ሓደ ጊዜ እቲ ሽግር ይስዕርር እሞ ፡ እቲ ቆልዓ ኣብ ገዛ ክነብር ኣይደልን። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እታ ቤት ጽሕፈት መንእሰይ ካልእ ስድራ ቤት እናድያ ንዝተወሰነ እዋን ነቲ ቆልዓ ኣብኡ ከምዝጸንሕ ትገበር። ኣብያተ ጽሕፈት መንእሰይ ብዙሕ ጊዜ ኣጸደ ህጻናት/ መዋእለ ህጻናት ኣለወን። ኣብ ኩሉ ከተማታት ጀርመን ይርከባ። 

das Job-Center (ቤት ጽሕፈት ዕዮ ወይ ናይ ስራሕ ማእከል / ጆብ ሰንተር /)
ስራሕ ትደሊዶ ? ኣብዛ ቤትጽሕፈት እዚኣ ናይ ዝተፈላለያ ዓውድታት ናይ ስራሕ ክፉት ቦት ይርከብ፡፡ ንስራሕ መድለይ ዝኸውን ገንዘብውን ፡ ሓደ ሓደ እዋን ኣብዚ ቦታዚ ይርከብ እዩ። ንኣብነት ንማመልክቻ ወረቓቅቲ ዝጠፍአ ወጻኢታት ንምሽፋን ገንዘብ ይውሃብ ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ወይ ማእከል ስራሕ ኣብ ኩለን ከተማታት ጀርመን ትርከብ። ኣድራሻ ኣብታ እትነብረላ ከተማ ትርከብ ቢት ጽሕፈት ንምፍላጥ www.arbeitsagentur.de ተመልከት።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

K

die Kaltmiete, die Kaltmieten (ምዱብ ገዛ ክራይ)
እዚ ዋጋዚ፡ ክራይ ገዛ ኮይኑ ዋጋ ተደራቢ ዋጋ ኣየጠቓልልን። 

der Kaufvertrag, die Kaufverträge (ናይ መሸጣ ውዕል)
ክቡር ንብረት ምስእትዕድግ ንኣብነት መኪና፡ ንስኻን ሸያጣይን ሓደ ሰነድ ትፈራረሙ። እዛ ሰነድ እዚኣ ናይ መሸጣ ውዕል ትባሃል። ኣብ ሰነድ ናይ መሸጣ ውዕል ዋጋ ናይ ንብረትን፡ ዕለተ ክፍሊትን ዝኣመሰለ ይግለጽ። 

die Kaution (ትሕጃ)
ኣብ ሓደ ገዛ ክራይ ክእቶ ምስዝድለ ተኽራዪ ንኣካራዪ ትሕጃ የትሕዝ። እቲ ኣካርዪ ኣድላይ ኮይኑ ምስዝረኽቦ ነቲ ገንዘብ ይጥቀመሉ። ንኣብነት ተኻራዪ ገዛ ክራይ ምስዘይከፍል ወይ ውን ኣብ መወዳእታ ገዛ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ከም ልሙድ እቲ ገንዘብ ናብቲ ተካራዪ ተመላሲ ይኸውን። ትሕጃ እንተበዝሐ፡ ሰለስተ ዕጽፊ ብዝሒ ምዱብ ገዛ ክራይ እዩ። 

die Kinderbetreuung, die Kinderbetreuungen (ምሕባሓብ ቀልዑት)
ትሰርሕ ዲኻ ? ኣብ እዋን ስራሕ ውላድካ ተጽንሓሉ ቦታ የድልየካ ዶ ? ዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ቆልዑ ዝሕብሓብሉ ቦታ ኣሎ። መብዝሕቶኦም ትሕቲ 6 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት ናብ መዋእለ ህጻናት / ኪንደርታገእሽተተ / ኪታ፡ ወይውን ናብ ኣጸደ ህጻናት / ኪንደርጋርተን / ይለኣኹ ። ንኣሽቱ ህጻናት ክሳብ 3 ዓመት ዝኣኽሉ ዝውዕልሉ መዋእለ ዕሸላት /ኪንደርክሪፐ/ ኣሎ። ምሕብሓብ ቆልዓ ሓድሓደ ግዜውን ብውልቂ ብዝካየድ ስምምዓት፡ ምስ ሓንቲ ኣደ ወይ ኣቦ ይፍጸም። እቲ ቆልዓ ንግሆ ናብ መውዓሊ ህጻናት ይውሰድ ቀትሪ ወይ ምሸት ድማ ይምለስ። 

der Kindergarten, die Kindergärten (ኣጸደ ህጻናት)
ኣብዚ ገለ ቆልዑት ምስ ካልኦት ቆልዑት ብጉጅለ ይከፋፈሉ። ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመት ዕድመ ዘሎዎም ቆልዑ ኣብ ኣጸደ ህጻናት ይኣትዉ። እቶም ንኣሽቱ ካብቶም ፍርዝን ዝበሉን ካብ ኣለይቶምን ኣለይተንን ገለ ፍልጠት ይቀስሙ። መብዛሕተኣን ኣጸደ ህጻናት ኣብ ኣፍደገ መጻወቲ ቦታ ኣለወን። ሓንቲ ኣጸደ ህጻናት ምሉእ መዓልቲ ዝውዕሉ ቆልዑት ምስዝህልውዋ ኪታ ተባሂላ ውን ትጽዋዕ እያ። 

die Kinderkrippe, die Kinderkrippen (መዋዕለ ዕሸላት)
ካብ ቅሩብ ኣዋርሕ ክሳብ 3 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ዕሸላት ዝውዕልሉ ቦታ እዩ። 

die Kindertagesstätte (Kita), die Kindertagesstätten (Kitas) (መዋእለ ህጻናት)
ን ኣጸደ ሕጻናት ይመሳሰል። ኣብዚ ቦታ እዚ ቆልዑት ምሉእ መዓልቲ ማለት ክሳብ ሰዓት 4 ወይ 5 ድሕር ቀትሪ ይውዕሉ። 

die Krankenversicherung, die Krankenversicherungen (ናይ ሕክምና ኢንሽራንስ)
እዛ ዓይነት ኢንሽራንስ እዚኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጀርመን ዝቅመጥ ሰብ ክትህልዎ ናይ ግድን ኣዩ። እታ እንሽራንስ ዝበዝሕ እዋን ወጻኢታት ናይ ሓኪም፡ ናይ ሆስፒታል፡ መግዝእ ኣፋውስን ትሽፍን። ኣብ ክፍሊት ናይ ኣፋውስ ምስዝኽውን ግን ገለ ካብቲ ክፍሊት እቲ ሰብ ባዕሉ ይሽፍኖ። እቶቱ ውሕድ እንተኮይኑ ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ኢንሽራንስ ናይ ባዓልቲ ቤቱ ወይ ናይ ባዕል ቤታ ክእቶ ይከኣል እዩ። ቆልዑት ኣብ ናይ ወለዶም ናይ ሕክምና ኢንሽራንስ ብቐጥታ ምዝጉባት እዩም። 

die Krankmeldung, die Krankmeldungen (ናይ ሕማም ፍቃድ)
ሓሚምካ ስራሕ ክትከይድ ኣይካኣልካን ? ዝበዝሕ እዋን ናይ ሕማም ፍቃድ ወረቐት ንወሃብ ስራሕ ክተቅርብ ኣለካ። እዚኣ ሓንቲ ቁራጽ ወረቐት ናይ ሓኪም እያ። እዛ ወረቐት፡ ንስኻ ከምዝሓመምካን ዓዲ ውዒል ከምዝኾንካን ትገልጽ። ቆልዑት ውን ሓደሓደ ጊዜ ብቤት ትምህርቲ እዚ ናይ ሕማም ፍቓድ ከቕርቡ ይሕተቱ እዩም። 

der Kredit, die Kredite (ለቓሕ)
ገለ ነገር ክትዕድግ ደሊኻ እኹል ገንዘብ የብልካን ? ኣብ ሓደ ባንክ ትኸይድ ለቓሕ ትወስድ። እታ ባንክ ኣብ ውሽጢ ሓደ ውሱን እዋን ዝምለስ ገንዘብ ተለቅሓካ። ጸኒሒካ ግን ምስ ወለድ ወሲኽካ ትመልሶ። 

die Kreditkarte, die Kreditkarten (ናይ ባንክ ካርድ)
እዚ ብጥረ ገንዘብ ዘይኮነ ኣገባብ ኣጠቓቕማ እዩ። እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ተንቀሳቓሲ ባንክ ሕሳብ ኣይውሰድን። ብዙሕ እዋን እዚ እገባብ እዚ ንእሽተይ ለቓሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኩለን ድኳናት ግን ናይ ባንክ ካርድ ይቕበላ ማለት ኣይኮነን። ብኢንተርነት ኣቕሓ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ከም ልሙድ ብናይ ባንክ ካርድ ትኸፍል። ከምኡውን ኣብ ባቡርን ኣገልግሎት ነፈርትን። 

die Kündigung, die Kündigungen (ምስራዝ ውዕል)
ውዕልካ ክተቋርጾ ትደሊዶ ? ብጽሑፍ ናይ ምቁራጽ ውዕል ደብዳቤ ክተቕርብ ኣለካ። ምቁራጽ ውዕል ናይ ግድን ብጽሑፍ ክግበር ኣለዎ።  

die Kündigungsfrist, die Kündigungsfristen (Arbeit) (ገደብ ምስራዝ ውዕል (ንስራሕ ዝምልከት))
ኣብ ሓንቲ ትካል ስራሕካ ክትቅጽል ኣይደለኻን ? ናይ ምቁራጽ ውዕል ጽሑፍ ክተቅርብ ኣለካ። ከምልሙድ ፡ እዚ ውዕል እዚ ቅድሚ 3 ወርሒ ክተቕርብ ኣለካ ። ኣስራሒ ካብ ስራሕ ከውጽኣካ ምስዝደሊውን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ የፍልጠካ። ኮይኑ ግን ብቅጽበት ካብ ስራሕ ናይ ምስጓግ ተኽእሎውን ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰራሕተኛ ንኣብነት ናይ ስራሕ እምቢተኛነት ወይ ሒንግድነት ምስዘርኢ፡ ብዘይወዓል ሕደር ካብቲ ስራሕ ይስጎግ። 

die Kündigungsfrist, die Kündigungsfristen (Wohnung) (ገደብ ምስራዝ ውዕል (ንገዛ ክራይ ዝምልክት))
ተኻራያይ ቅድሚ ካብ ገዛ ክራይ ምውጽኡ ፡ ንኣካራይይ ብጽሑፍ ከፍልጦ ይግደድ። እዚ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ካብ ገዛ ምውጽኡ ይኽውን። እቲ ጊዜ ድማ መብዝሕትኡ ካብታ ወርሒ ትጅምረሉ ዕለት ይብገስ። ኣካራይውን ከምኡ ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናይ ውዕል ምስራዝ ጽሑፍ ይህበካ። 

der Kursträger, die Kursträger (ናይ ትምህርቲ ኣዳላዊ ኣካል)
ኣዚኣተን ናይ ቋንቋ ኣብያተ ትምህርቲ ኮይነን፡ ንምውህሃድ ትምህርቲ / ኢንተግራስዮንስኩርሰ / ዝምልከት ቋንቋ ንምስልሳል ዝተመዘዛ ትካላት እየን ። ብዛዕብአን ብዝያዳ ንምርዳእ ሓበሬታ ፡ ካብ ናይ ቋንቋ ኣብያተ ትምህርቲን ኢንተርነትን ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ዝርከባሉ ቦታ ክትፈልጥ ምስእትደሊ BAMF ተመልከት ፡፡

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

L

der Landtag, die Landtage (ኣውራጃዊ ባይቶ)
ፈደራላዊት ሃገር ጀርመን ኣብ 16 ፈደራላውያን ኣውራጃታት ዝተኸፋፈለት እያ። ነፍሲወክፍ ኣውራጃ ናታ ፓርላማ ኣለዋ። እዛ ናይ ኣውራጃ ፓርላማ ላንድታግ ተባሂላ ትጽዋዕ። ምርጫ ናይ ባይቶ ኣውራጃ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመታት ወከልተን ይመርጻ ማለት ንባይቶ ናይ ኣውራጃ ዘገልግሉ ኣካላት። 

die Landtagswahl, die Landtagswahlen (ምርጫ ንኣውራጃዊ ባይቶ)
ኣብ ነፍስወከፍ ኣውራጃ፡ 4 ወይ 5 ዓመታት ንባይቶ ናይ ኣውራጃ ዘገልግሉ ወከልቲ ፡ ማለት ፖለቲከኛታት ይምረጹ። 

der Lebenslauf, die Lebensläufe (ናይ ህይወት ከይዲ)
ናይ ሂወት ከይዲ ሓደ ኣብ ናይ ስራሕ ማመልከቻ ጽሑፍ ክቐርብ እንከሎ ክትሓሓዝ ዘለዎ ሰነድ እዩ። ናይ ሂወት ከይዲ ስም ናይ ሰብ፡ ሞያ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ተመክሮ፡ ከምኡ ድማ ፍሉይ ክእለት ንኣብነት ኮምፒተር፡ ፍልጠት ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ይዝርዘር። ንመረዳእታ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ፡ Arbeitsagentur - ኣርባይትስ ኣገንቱር ብምውካስ ኣብነታዊ ጽሑፍ ተመልከት። 

der Lohn, die Löhne (መሃያ)
እዚ ኣብ ሓደ ነባሪ ስራሕ ኣብ ነፍስወከፍ መወዳእታ ወርሒ እትቕበሎ ዓስቢ እዩ። መሃያ ወላውን ምስእትሓምም ወይውን ብግዜ ዓመታዊ ዕርፍቲ ይኽፈለካ እዩ። ጠቅላላ ማሃያ / ብሩቶ/ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ መንግስቲ ቀረጽን እንሽራንስን ምስ ተነካዮ ድማ እቲ ጽሩይ ኣታዊ / ነቶ / ይበሃል።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

M

der Makler, die Makler (ደላላ)
መንበሪ ገዛ ንምድላይ ሓገዝ የድልየካ ዶ ? ንሓደ ደላሊ ኣባይቲ ወይ ደላሊ ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ተወከስ። ይኹን ኣንበር ንደላሊ ግን ከፊልካ እዩ። 

die Meldebescheinigung, die Meldebescheinigungen (ሰነድ ነባርነት)
እዛ ዶኩመንት እዚኣ ኣድራሻኻ ኣለዋ። ካብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ንነበርቲ / ኣይንቮነር መልደ ኣምት/ ወይ ካብ ማዛጋጃ ቤት / ራት ሃውስ / ትርከብ። ነዚኣ ንምርካብ ፓርስፖርት ጥራይ የድልየካ። ከምልሙድ ሓንቲ ናይ ነባርነት ሰነድ ንምውጻእ 5 ኤውሮ ይኽፈል። 

der Mietspiegel (ማእከላይ ገምጋም ዋጋ ገዛ ክራይ)
እዚ ማእከላይ ገምጋም እዚ ኣብ ሓደ ከተማ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ወርሓዊ ገዛ ክራይ ክንደይ ምዃኑ ዝግምት ዝርዝር ጽሑፍ እዩ። 

der Mietvertrag, die Mietverträge (ናይ ክራይ ውዕል)
ገዛ ትካረዶ ኣለኻ ? እዛ ትስዕብ ወረቐት ተድልየካ። ውዕል ገዛ ክራይ፡፡ ንስኻን ኣካራይን ውዕል ገዛ ክራይ ክትፈራረሙ ይግባእ ብድሕሪኡ ጥራይ ተኻራይ ምዃንካ ትፍለጥ። 

die Migrationsberatung, die Migrationsberatungen (ናይ ምኽሪ ጣውላ ንስደተኛታት)
ኣብ’ዚ ናይ ምኽሪ ጣውላ ንስደተኛታት ሓገዝን ሓበሬታን ብዛዕባ እዛ ሓዲሽ ሕይወት ዝጀመሩላ ሃገር ይወሃብ። ሽግራትን ሕቶታትን ኣብ ዝፍጠረሉ ኣብ’ዚ ናይ ምኽሪ ቦታ’ዚ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዘይተጸበኻዮን ዘይትፈልጦን ኩነታት ይሕግዙ። ኣድራሻ ናይ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ምኽሪ ጣውላ ንስደተኛታት ኣብ "ጕዕዞይ ናብ ጀርመን" ("Mein Weg nach Deutschland") ዝብል ጽሑፍ ትረኽቦ። www.goethe.de/mwnd/karte 

der Minijob/450-Euro-Jobs, die Minijobs/450-Euro-Jobs (ንእሽተይ ስራሕ)
ኣብዚ ዓይነት ናይ 450 ኦአውሮ ዝኽፈሎ ነሽቶ ስራሕ ፡ ቀረጽ ዘይቅረጽ ኮይኑ እንተበዝሐ 4450 ኣውሮ ትኽፈል፡፡ ብቐጥታ ናይ ሕማም እንሹራንስን ጡረታን ኢንሹራንስን ይኽፈለልካ፡፡ ነዚ ወሃብ ስራሕ ይኸፍሎ፡፡ ናይ ስራሕ ኣልቦአት ቀረጽ ግን የለን፡፡ ናእሽቱ ስራሕእት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይርከብ፡፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ገዛ ሕእገዝ (ክድምና) ፡ ቤትጽሕፈት፡ ከምኡ ድማ መራሕ መኪና፡፡ ሓንቲ ንእሽቶ ስራሕ ካብ ፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ትረኽባ ወይ ድማ ካብ ጋዜጣን ኢንተርነት፡፡ 

der Mitgliedsbeitrag, die Mitgliedsbeiträge (ናይ ኣባልነት ክፍሊት)
ኣብ ብዙሓት ማሕበራት ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክተዋጽእ ኣለካ። እዚ ውጽኢት’ዚ በቲ ማሕበር ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት ንኽትካፈል ዘኽእል ወርሓዊ ወይ ዓመታዊ ኽፍሊት እዩ።  

der Mutterschutz (ሓለዋ ኣደ)
መሰል፡ ኣብ ስራሕ ንዝዋፈራ ነፍሰጾራትን ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣደታትን፡ ንምሕላው ዝቖመ መምርሒ እዩ። ገለ ካብተን ኣገደስቲ መምርሕታት ናይ ሓለዋ ኣደ / ሙተር ሽቱስ / ,, ሓንቲ ኣደ ቅድሚ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ንዝተወሰነ እዋን ክትሰርሕ ኣይግባእን,, ይብል። እዚ ማለት ኣብ ሃገረ ጀርመን ቅድሚ ሕርሲ ን 6 ሰሙናት ፡ ድሕሪ ሕርሲ ድማ ን 8 ሰሙናት ክተዕርፍ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ እታ ኣደ ዶሞዛ ወይ መሃይኣ ትቕበል። ኣብ መንጎ ቅድሚ ሕርስን፡ ድሕሪ ሕርስን ዝርከባ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ወሃቢ ስራሕ ካብ ስራሕ ከውጽኣ ኣይፍቀደሉን። ኣብ ገለ ገለ ሞያታት ድማ ኣብ ግዜ ጥንሲ ክትሰርሕ ኣይግባኣን፡፡ ንኣብነት መብዝሕትኡ ግዜ ከሚካላት ኣብዘለዎ ፋብሪካታት ወይ ኣብያተ ስራሕ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

N

die Nebenkosten (ተደራቢ ዋጋ)
እዚ ዋጋታት እዚ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ዋጋ ገዛ ክራይ ብላዕሊ ተወሲኹ ዝኽፈል ዋጋ እዩ። ንኣብነት ዋጋ ናይ ማይ፡ ናይ መብራህቲ ናይ ሓባር ኣስካላ፡ ናይ ትሕቲ መሬት ገዛ / ኬለር / ወይ መኻዚኖ ፡ ናይ ጓሓፍን ፡ ድሽ ናይ ተለቪዥንን እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ዋጋ ናይ መውዓይን / ሃይሱን / ኤለትሪክን ከም ተደራቢ ዋጋ ይኽፈል። 

netto (ጽሩይ ኣታዊ)
ኔቶ ማለት ጽሩይ ደሞዝ ወይ ማሃያ፡ ቀረጽ መንግስንት ኢንሽራስን ምስ ጎደሎን እዩ። 

die Niederlassungserlaubnis, die Niederlassungserlaubnisse (ገደብ ዘይብሉ መንበሪ ፍቓድ)
Niederlassungserlaubnis ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍቓድ እንተለካ፡ ኣብ ጀርመን ንዝደለኻዮ ጊዜ ክትቅመጥን ክትሰርሕን ዘኽእል ፍቓድ ማለት እዩ። ከም’ቲ ግቡኡ፡ Aufenthaltserlaubnis ዝብሃል መንበሪ ፍቓድ፡ ንሰለስተ ወይ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ምስ ዝጸንሓካን፡ ማሕበራዊ ሓገዝ (Sozialleistungen) ዘይትወስድ ምስ እትኸውንን ይወሃበካ። ብተወሳኺ ጽቡቕ ዝኾነ ፍልጠት ቋንቋ ጀርመንን ገበን ዘይፈጸምካን ክትከውን ኣለካ። 

der Notdienst, die Notdienste (ህጹጽ ኣገልግሎት)
ሓካይምን ፡ ቤት መሸጣ መድሃኒትን ቀዳመ ሰንበትን ከምኡ ድማ ለይትን ይሰርሑ ። ህጹጽ ሓገዝ ምስእትደሊ ፡ ተረኛ ሓካይምን ቤት መሸጣ መድሃኒትን (ፋርማቻን) ህጹጽ ኣገልግሎት ንምሃብ ድልዋት ዝዀና ኣለዋ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

O

P

das Parkhaus, die Parkhäuser (መዓሸጊ ተሽከርከርቲ)
ኣብ ጽርጊያ እኹል መዓሸጊ ስለዘይርከብ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ማዓሸጊ ተሽከርክርቲ ኣሎ። ኣብ ፓላሶታትውን ከይተረፈ መካይን ክትዕሽግ ትኽእል። መዓሸጊ ግን ይኽፈሎ እዩ። ከምልምዲ ሓደሰብ መኪንኡ ዓሺጉ ድሕሪ ምጽናሕ ክፋኖ ከሎ ይኸፍል። እታ መኪና ንዝተወሰነ እዋን ጥራይ ትዕሸግ። ከከምዝተዓሸገቶ ሰዓታት ብዝሒ ትኸፍል።

die Partei, die Parteien (ሰልፊ)
ፖለቲካዊ ሰልፊ ማለት ናይ ሓባር ትምኒትን ዕላማን ዘለዋ ጉጅለ ናይ ሰባት እያ። ኣብ ሓንቲ ሰልፊ ኣባላታ ፡ ንሓንቲ ሃገር ዝምልከት ውሳኔታት የማሓላልፍን የስርጹን። 

der Pass, die Pässe (ፓስፖርት)
እዛ ሰነድ እዚኣ መንነት ናይ ሓደ ሰብ ተረጋግጽ። ኣብ ፓስፖርት ናይ ሓደ ሰብ ስምን ዕድመን ዜግነትን ወዘተ ይዝርዘር። ሓደ ሰብ ኣብ ቤትጽሕፈት ከማኡውን ንወጻኢ ንምጋሽ ፓስፖርት የድልዮ። ካብኡ ሓሊፉውን ቪዛ ወይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ፓስፖርት ይወሃብ። 

das Passwort, die Passwörter (መእተዊ ኮድ)
እዚ ምስጢራዊ መለለይ ኮይኑ ፓስዎርድ ኣብ ኢንተርነት ወይ ኣብ ኮምፒተር ንምእታው ትጥቀመሉ። ዝበዝሕ ግዜ ምስተጠቃሚ ስም ኣተሓሒዝካ ይወሃብ። ፓስዎርድ ኩሉ ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታ ካልኦት ንከይርእዎ ትዕቅበልካ። 

die Personalien (ንውልቃዊ መንነት ዝምልከት ሓበሬታ)
ብዛዕባ ውልቃዊ መንነትካ ዝምልከት፡ ማለት ቀዳማይ ስምካ፡ ስም ኣቦኻ ክትውለድ እንከለኻ ዝነበረካ ስም፡ ዕለት ልደትካ፡ ቦታ ልደትካ፡ ኩነታት ሓዳር፡ እትዓየሉ ሞያ፡ እትነብረሉ ቦታ፡ ዜግነትካ ዘጣመረ ሓበሬታ እዩ። 

das polizeiliche Führungszeugnis (ናይ ፖሊስ ምስክር ወረቐት)
ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝዋሃብ ሰነድ። እዛ ሰነድ እዚኣ ኣብ ገለ እዋን ገበናዊ ሪከርድ ናይ ፖሊስ እንተለካ ተቃልዕ። ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ነዛ ሰነድ እዚኣ ንከተቕርብ ይሓቱ። 

das Praktikum, die Praktika (ምልምማድ ስራሕ)
ሓደ ፍሉይ ሞያ ንምጥራይ ድልየት ዘለዎ ሰብ፡ ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ትካል ወይ ክሊኒክ ስራሕ ይለማመድ። እናሰርሐ ነቲ ሞያ ይመሃሮ። መብዝሕትኡ ኣብ እዋን ምልምማድ ስራሕ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ። ናይ ምልምማድ ስራሕ ዘድሊ ናይ ግዜ መጠን፡ ካብ ናብ ሞያ፡ ካብ ትካል ናብ ትካል፡ ይፈላለ ። 

die Probezeit (ናይ ፈተነ ግዜ)
ኣብ ሓድሽ ስራሕ ሓደ ሰብ ናይ ፈተነ ግዜ ይወሃቦ። ኣብ እዋን ግዜ ፈተነ፡ ሓደ ወሃቢ ስራሕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ካብ ስራሕ ክሰጉግ ይኽእል። ኣብ ግዜ ፈተነ ስራሕ ወሃቢ ስራሕ ብደቂቕ ይከታተለካ። ናይ ፈተነ ግዜ ምስሓለፈ ኣብቲ ትካል ክትቅጽልን ከይትቅጽልን ወሳኒ እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ። ንስኻ ውን ነቲ ስራሕ ክትቅበሎን ከይትቅበሎን መሰል ኣለካ። ናይ ፈተነ ግዜ ክሳብ 6 ወርሒ ክበጽሕ ይኽእል። 

die Provision, die Provisionen (ጻማ)
ሓደ ገዛ ብደላሊ ክትካረ ወይ ክትዕድግ ትደሊዶ ? ነቲ ናይ ኣባይቲ ደላሊ ዓስቢ ጻማኡ ትኸፍሎ። እዚ ጻማ እዚ ፕሮቪሲዮን ተባሂሉ ይልለ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

Q

die Qualifikationsanalyse, die Qualifikationsanalysen (ናይ ብቕዓት መምዘኒ ትንተና)
ትንተና ናይ ብቕዓት ማለት ሓደ ሰብ ንሓደ ፍሉይ ስራሕ ከም ዝበቅዕ ምምርማር ማለት እዩ። እዚ መምዘኒ ብቕዓት ክኣ ከም’ቲ ልሙድ ኣብ’ቲ ምስክር ወይ ሰነድ ወረቐት ይጻሓፍ። ንኣብነት ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ትረክብ። ምስክር ወረቐት እንተዘይብልካ’ውን ኣብ’ዚ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ዝኾነ ኣገባብ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ዝርርባት ተካይድ ወይ ድማ እናሰራሕካ ይዕዘቡኻ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

R

die Rechnung, die Rechnungen (ሕሳብ)
ገለ እቕሓ ዓዲግካ ሽዑሽዑ ክትከፍል ኣይካኣልካን፡፡ ንኣብነት ኣብ እንዳ ኢንተርነት ገለ ኣቅሓ ትዕድግሞ ፡ ናይ ሕሳብ መኽፈሊ ወረቐት ይመጸካ ። ጸኒሑ እቲ ክፍሊት ፡ ካብ ናትካ ናይ ባንክ ሕሳብ ናብቲ፡ ናይታ ትካል ሕሳብ ባንክ ይመሓላለፍ። 

der Religionsunterricht (ትምህርተ ሃይማኖት)
ሃይማኖት ሓደ ካብ ዓይነት ትምህርቲ ኣዩ። ኣብ ጀርመን ሃይማኖት ካቶሊክን ከኒሻን ኣብ ቤትትምህርቲ ቆልዑት ይመሃሮዎ ። ኣብ ገለ ኣውራጃታት ጀርመን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ናይ ኦርቶዶክስን ይሁዳን ብዲስትን ሃይማኖተ ትምህርቲ ኣለወን ። ንምስልምና ዝምልከት ድም ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ብቋንቋ ዓረብን ቱርክን መግለጺ ይህባ ። ሓደ ቆልዓ ትምህርተ ሃይማኖት ክመሃር ኣይግደድን እዩ። መተካእትኡ ግን ፡ ብዙሓት ኣውራጃታት ኣምሳያ ሃይማኖት ትምህርቲ ፡ ሓደ ተመሃራይ ናይ ስነ ምግባር ፡ሞራል ትምህርቲ ንክወስድ የገድዳ ። ትምህርቲ ስነ ምግባር ፍልስፍና እዩ። 

die Rentenversicherung, die Rentenversicherungen (ናይ ጡረታ እንሹራንስ)
ከም ግቡእ ሓደ ሰብ ኣብ ጀርመን ክሳብ 67 ዓመት ዝመልእ ይሰርሕ። ብድሕሪ እዚ ጡረታ ይወጽእ። ክሳብ ጡረታ ዝኣቱ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ወርሒ ወርሒ ገለ ክፋል ናይ ደሞዙ ጡረታ ክከፍለሉ ይግደድ። ጡረታ ምስኣተወ ኣብ ወወርሒ ካብቲ ኣቐዲሙ ዘዋጽኦ ናይ ደሞዝ ገንዘብ ይኽፈሎ። ሰራሕተኛታት ብቐጥታ ናይ ጡረታ ኢንሹራንስ ኣለዎም። እቲ ናይ ጡረታ ኣስተዋጽኦ ሰራሕተኛን ወሃቢ ስራሕን ብሓባር የውጽእዎ። ሓደ ሰብ ሰራሕተኛ ( ተቖጺሩ ዝሰርሕ ) እንተዘይኮነ ማለት ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ምስዝህልዎ ኣብ ናይ ብሕቲ ናይ ጡረታ እንሹራንስ ይኸፍል። ብዙሓት ሰባት ኣብ ሕጋዊ ናይ መንግስቲ ናይ ጡረታ ኢንሽራንስ ይኣትዉ ከምኡውን ናይ ውልቂ ናይ ጡረታ ኢንሽራንስ ኣለዎም። 

das Rezept, die Rezepte (ናይ ሓኪም ወረቐት)
ብዙሕ ዓይነት ኣፋውስ ብዘይ ናይ ሓኪም ወረቐት ካብ ፋርማሲ ወይ ቤት መድሃኒት ክትገዝእ ትኽእል። ንሓደ ሓደ ኣፋውስ ንምዕዳግ ግን ናይ ሓኪም ወረቐት የድልየካ፡፡ እዚኸኣ ሪሰፕት ይብሃል።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

S

das Schulgeld (ናይ ትምህርቲ ክፍሊት)
እዚ ክፍሊት እዚ ኣብ ናይ ብሒት ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ ይኽፈል። ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሓትኦ ገንዘብ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። 

die Schulpflicht (ትምህርቲ ብግዲ)
ኣብ ጀርመን ንቤት ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ እዩ። እዚ ማለት፡ ክሳዕ ዝተወሰነ ዕድመ ቈልዑትን መንእሰያትን እንተወሓደ ትሽዓተ ዓመት ንቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም። እዚ ብሕጊ ዝጸደቐ እዩ። 

die Schwangerschaftsberatung, die Schwangerschaftsberatungen (ምኽሪ ንነፍሰጾር)
እዚ ኩሉ ንነፍሰጾር ዝምልከት ሕቶታት ምኽሪ ዝልገሰሉ ቦታ እዩ፡፡ ናትኪ ሓኪም መብዝሕትኡ እዋን ፡ እዚ ቦታታት እዚ ኣበይ ከምዝርከብ ይሕብረኪ፡፡ 

die selbständige Arbeit (ብሕታዊ ትካል)
ወሃብ ስራሕ ወይ ኣስራሒ ዘይብሉ ንሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓለቃ ወይ ወሃብ ስራሕ ምስዝኸውን እዩ። 

das Sonderangebot, die Sonderangebote (ፍሉይ ናይ ዋጋ ምጉዳል)
ገለ ኣብያተ ሸቐጥ ኣብ ገለ እዋን ኣቕሑተን ብሕሱር ዋጋ ይሸጣ። እዚ መሸጣ እዚ ብጀርመን ዞንደር ኣንገቦት ይበሃል። እቲ ኣቕሓ ፍሉይ ምጉዳል ዝብል ቃላት ተለጢፍዎ ቀልጢፉ ሰብ ኣብ ዝረኽቦ ቦታ ይዝርጋሕ። ዝበዝሕ እዋን ኣብ ኣፍደገ ተዘርጊሑ ትረኽቦ። 

das Sozialamt, die Sozialämter (ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት)
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ሓደ ሰብ ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ ዘድልዮ፡ ማሕበራዊ ሓገዝ (Sozialleistungen) ንኽወስድ ክማላእ ዘለዎ ረቋሒታት የማልእ ድዩ ኣየማልእን ዘጻሪ በዓል መዚ እዩ። die Sozialleistung, die Sozialleistungen (ማሕበራዊ ሓገዝ)
ገንዘባዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ፍሉይ ኩነታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት (Sozialamt) ማሕበራዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ከመልክቱ ይኽእሉ። በዚ ሓገዝ ተደጊፎም ኣብ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ መንበሪ ገዛ ክቕመጡ ይኽእሉ። ብጊዜ ሕማም ሕክምና ናይ ምርካብ ውሕስነት ዘለዎም ኮይኖም፡ ስራሕ ናይ ምድላይ ተኽእሎ’ውን ኣለዎም። 

die Sozialversicherung, die Sozialversicherungen (ማሕበራዊ እንሽራንስ ሾሻል ፈዚሸሩን)
ማሕበራዊ እንሽራንስ ዝበሃል ናይ ሕክምና፡ ናይ ጡረታ ኢንሹራንሳት: ናይ ሓደጋን ፡ ናይ ክንክንን እንሹራንሳት ብሓፈሻ ማለት እዩ። 

die Sozialwohnung, die Sozialwohnungen (መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ)
እዘን ናይ መንበሪ እባይቲ እዚኣተን ከምተን ካልኦት ተራ መንበሪ ኣባይቲ ኣይኮናን። መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ ዝወሃቦ ሰብ እቶቱ ውሑድ ዝኾነ ጥራሕ እዩ። ነዘን እባይቲ እዚኣን ንምክራይ / ቮንበረሽቲግንግ ሻይን / ዝተባህለ ሰነድ የድልየካ። ኣዚ ሰንድ እዚ ድማ ካብ ምምሕዳር ከተማ ወይ ምምሕዳር መንበሪ ኣባይቲ / ቮናኣምት / ትረኽቦ፡፡ 

das Sparkonto, die Sparkonten (ውህሉል ሕሳብ)
እዚ ዓይነት ሕስብ እዚ ንነዊሕ እዋን ንዝቅመጥ ገንዘብ የገልግል። ካብዚ ሕሳብ እዚ ገንዘብ ክተመሃላልፍ ኣይፈቐድን፡፡ ንኣብነት ከምቲ ንገዛ ክራይ መኽፈሊ ካብ ተንቀሳቀሲ ሕሳብ ዝፍቐድ፡ ካብ ውህሉል ሕሳብ ግን ክትከፍል ኣይከኣልን። ኣብ ውህሉል ሕሳብ ግን ካብቲ ተንቀሳቀሲ ሕሳብ ንላዕሊ ወለድ ይወሃበካ። ካብ ኣብ ተንቀሳቀሲ ሕሳብ ፡ ኣብ ውህሉል ሕሳብ ዝቕመጥ ገንዝብ ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ይጸንሕ። 

die Sparkasse, die Sparkassen (ናይ ቁጠባ ባንክ ሞርጌጅ)
ከም ካልኦት ባንክታት ኮይኑ እንተኮነንከ ውልቃዊ ዘይኮነ ገለ ክፋል ናይ ዋንነት ናይ ምምሕዳር ከተማ ወይ / ገማይንደ / ቀበሌ እዩ። 

die Spielgruppe, die Spielgruppen (ጉጅለ ምዝንጋዕ ቆልዑት)
ቆልዑት ንክጻወቱ ይራኸቡ። መብዛሕትኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብቲ ጸወታ ይካፈሉ። ሓደሓደ ግዜ ድማ ፍርዝን ዝበሉ ወይ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ምስቶም ቆልዑት ኮይኖም ነቲ ጸወታ ይመርሕዎ። 

die Sprachförderung (ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ሓገዝ)
ቆልዑት ፍሉይ መደብ ጸወታን፡ ተባህለን ወይ ጽውጽዋይን ብምንጋርን ፡ ብሙዚቃን ዝሓሸ ቋንቋ ጀርመን ንምዝራብ ይመሃሩ። ኣብ ኣጸደ ህጻናትን / መዋእለ ህጻናትን ድማ ብዙሕ ግዜ ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ሓገዝ ንወጻእተኛታት ቆልዑት ይወሃብ። 

der Sprachtest, die Sprachtests (ናይ ቋንቋ ፈተና)
ቆልዑት ኣብ ኣጸደ ህጻናት ናይ ቋንቋ ፈተና ብዙሕ ግዜ ይወስዱ ከምዚ ብምግባር ሓደ ቆልዓ ናይ ቋንቋ ክእለት ክሳብ ክንደይ ምልከት ናይ ቋንቋ ከምዘለዎ ክትርዳእ ትኽእል። 

die staatliche Schule, die staatlichen Schulen (ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ)
ኣብ ጀርመን ዝበዝሕ ኣብያተ ቤት ትምህርቲ ብመንግስቲ ይውነና። ትምህርቲ ኣይክፈሎን እዩ ብነጻ ይወሃብ። 

das Standesamt, die Standesämter (ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ)
ቃልኪዳን ክትኣስር ዶ ትደሊ ? ቆልዓ ክትወልድ ዲኻ ? ክትፋታሕ ትደሊ ዶ ? ኣብቲ ትነብረሉ ከተማ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ምዝገባ ተወከስ። 

der Studiengang, die Studiengänge (ዓውደ ትምህርቲ (ናይ ዩኒቨርሲቲ))
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ድሌት እንተለካ፡ እንታይ ዓይነት ክትመሃር ከም ዝደለኻ ብልክዕ ክትውስን ኣለካ። ኣብኡ ብዙሕ እተፈላለየ ምርጫታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ዓይነት ዓውደ ትምህርቲ ንኽትሕዝ ክትውስን ኣለካ። ንኣብነት ኣብ ቋንቋታት ንፉዕ ዝኾነ ምስ ቋንቋ ዝተተሓሓዘ ዓውደ ትምህርቲ ክመርጽ ይኽእል። ኣብ ሕሳብ ንፉዕ ዝኾነ ሰብ ክኣ ከምኡ ናይ ቍጽሪ (ማተማቲካ) ዓውደ ትምህርቲ ክመርጽ ይኽእል። 

die Studiengebühren (ክፍሊት ትምህርቲ ናይ ፍርቂ ዓመት)
እዚ ክፍሊት እዚ ሓደ ተማሃራይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃር ከሎ ናይ ሓደ ሰሚስተር ማለት ናይ ፍርቂ ዓመት ዝኽፈል ገንዘብ እዩ። 

das Studium (ትምህርቲ ዩኒቨርስቲ ወይ ፖሊተክኒክ)
እዚ ስርዓተ ትምህርቲ እዚ መምህር ወይ ማሃንድስ ዝኣመሰለ ሞያ ንምጥራይ የገልግል። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ፖለተክኒክ ይውሰድ። 

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

T

das Tagesgeldkonto, die Tagesgeldkonten (ዕለታዊ ናይ ባንክ ሕሳብ)
እዚ ዓይነት ሕሳብ እዚ ከም ተንቀሳቃሲ ሕሳብ ንኩሉግዜ ዝኸውን ኣይኮነን። ተረፍ ገንዘብ እንተለካ ኣብዚ ናይ ዕለታዊ ሕሳብ ክተእትዎ ትኽእል። ባንክታት ንዕለታዊ ሕሳብ ዘኽፍልኦ ወለድ ካብቲ ንተቀሳቃሲ ወይ ንውህሉል ሕሳብ ዘኽፍልኦ ወለድ ዝያዳ ዝዓዘዘዩ። ይኹን እንበር ንስኻውን ገንዘብካ ቀልጢፍካ ክተውጽኦ ትኽእል። 

die Tagesmutter, die Tagesmütter (ኣላይት ኣደ)
ኣላይት ቆልዑት ዝኾነት ኣደ ኣብ ገዛ ኮይና ንቆልዑት ትካናኸን። መብዝሕትኡ እዋን ሓንቲ ኣደ ንብዙሓት ቆልዑ ትኣሊ። ኣላይት ኣደ ፡ ፍሉይ ትምህርቲ ዝቀሰመት ኮይና ተኸፊልዋ ድማ ትሰርሕ። 

die Teilnahmeberechtigung für den Integrationskurs (ብቕዓት ተኻፋልነት ንምውህሃድ ኮርስ)
እዚኣ ሓንቲ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ናይ ምውህሃድ ንኽትካፈል እተፍቕድ ሰነድ እያ። ከምግቡእ ኣብቲ ኣትነብረሉ ከተማ እትርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻእተኛታት ትወሃብ። ሓደ ናይ ኤውሮፓ ሕብረት ዜጋ ፡ ኣብዚ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ክካፈል ይኽእል እዩ። ቅድሚ ምኽፋሉ ግን ሓደ ማመልከቻ ናብ  BAMF ክጽሕፍ ኣለዎ። 

die Teilzeitarbeit (ፓርትታይም ትርፊ ግዜ)
ሓደ ሰብ ነባሪ ዝኾነ ስራሕ እንተለዎ ፡ ይኹን እምበር ከምቲ ልሙድ 8 ሰዓት ዘይኮነ ካብኡ ንታሕቲ ንኣብነት 4 ሰዓት ጥራይ ይሰርሕ ይኸውን ። እዚ ስራሕ እዚ መብዝሕትኡ ግዜ ደቀንስትዮ ፡ ናእሽቱ ቆልዑት ዘለወን ይጥቀማሉ። ኣብ ብዙሓት ትካላት እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ እዚ ልሙድ እዩ። 

der Tariflohn, die Tariflöhne (ናይ መሃያ ተመን)
ኣብ ብዙሕ ዓውደ ሞያታት ተቐባል ስራሕ ብዓቐን ሕጋዊ ምትማን ማሃያ መሰረት ይቑጸር። እዚ ተመን እዚ ማሕበራት ናይ ሰራሕተኛታትን ናይ ኣስራሕን ተሰማሚዖም ዝወሰንዎ እዩ። እዚ ናይ መሃያ ተመን ዝተበጽሓለን ዓውደ ሞያታት፡ ካብቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ንታሕቲ መሃያ ምኽፋል ኣይፍቀድን።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

U

das Übergabeprotokoll, die Übergabeprotokolle (ናይ ምትሕልላፍ ፕሮቶኮል)
ሓደ ገዛ እንተተኻሪኻ ድሮ ዝተበላሸወ ነገር ኣብቲ ገዛ ምስእትርኢ እንታይ ትገብር ? ነዚ ዝተበላሸወ ጉድለት እዚ ምስ ዋና ገዛ ናይ ምትሕልላፍ ፕሮቶኮል ትፈራረመሉ። 

die Überweisung, die Überweisungen (Bank) (ምትሕልላፍ ገንዘብ ብባንክ)
ኣብ ባንክ ካብ ሓደ ሕሳብ ቁጽሪ ናብ ካልእ ሕሳብ ቁጽሪ ገንዘብ ይመሓላለፍ ንኣብነት ገዛ ክራይ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ናትካ ቁጽሪ ሕሳብ፡ ናብ ኣካራይ ቁጽሪ ሕሳብ ይመሓላለፍ። ንስኻ ንባንክ ትሕብር ፡ እታ ባንክ ድማ ባዕላ ነቲ ገንዘብ ናብ ኣካራይ ገዛ ተመሓላልፎ።

die Überweisung, die Überweisungen (Arzt) (መተሓላለፊ ወረቐት ሓኪም)
ሓሚምካ ስፐሻሊስት ዶ ትደሊ ? ናይ ሓፈሻዊ ሕማማት ሓኪም ፡ ናይ መተሓላለፊ ወረቐት (ሪፈር) ናብ ካሊእ ቦታ ይህብ፡፡ ንሳ ሓንቲ ወረቐት እያ፡፡ ሒዝካያ ናብ ስፐሻሊስት ትኸይድ፡፡ 

der Umtausch (ምልዋጥ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ)
ሓደ ኣቕሓ ምስ ዓደግካ ናብ ዋንኡ ክትመልሶዶ ትደሊ ? ኣብ ብዙሓት ድኳናት ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። ንብረቶም ትመልሰሎም ገንዘብካ ይህቡኻ ። ኣምሳይኡ ሓደ ሓደ ግዜ ካልእ ኣቕሓ ብለውጢ ተቐይሩ ይወሃበካ ። ፍሉይ ቕናሽ ናይ ዋጋ ተለጢፍዎ ዝተገዝኣ ኣቕሓ ግን ኣይቅየርን እዩ። 

die Unterrichtsstunde, die Unterrichtsstunden (ሰዓታት ትምህርቲ ክላስ)
ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ / ኢንተግራስዮን / ፡ ሓንቲ ክፍለ ሰዓት ትምህርቲ 45 ደቒቕ ትወስድ።

der Urlaub (ዓመታዊ ዕረፍቲ)
ነፍስ ወክፍ ዓመት ዝተወሰነ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ኣለካ። ብግዜ ዕረፍቲ ደሞዝካን ወይ ማሃያኻን ይኽፈልካ እዩ። ዕረፍቲ መኣስ ከምትወስድ ምስ ሓለቓካ ትሰማማዕ። ኣብ ጀርመን ከም ልሙድ ሓደ ሰብ ንሰሙን ሓሙሽተ መዓልታት ይሰርሕ። ሓደ ሰሙን ክተዕርፍ እንተደሊኻ ፡ ናይ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ፡ ከምዝወሰድካ ይቑጸር።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

V

die Verbraucherzentrale, die Verbraucherzentralen (ማእከል ሓልዮት ተጠቐምቲ)
እዘን ቤት ጽሕፈታት እዚኣን ንትጠቐምቲ ሓበሬታ ይልግሳ። ተጠቓሚ ማለት ዝኾነ ሰብ ሓደ ኣቕሓ ዝዓደገ ማለት እዩ። እዘን ማእከል ሓልዮት ንተጠቐምቲ ዝበሃላ ኣብያተ ጽሕፈት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ፍርያት ፋብሪካ ሓበሬታ ይህባ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ሕጋዊ መሰላት ምስዘጋጥም ዘይምርድዳእ ምኽሪ ይልግሳ። ንኣብነት ሓደ ዝተበላሸወ ኣቕሓ ምስእትዕድግ ፡ እታ ድኳን ድማ ነቲ ብልሽው ንብረት ዳግማይ ንክትወስዶ ፍቓደኛ ምስዘይትኽውን እዛ ቤት ጽሕፈት እዚኣ ጥርዓንካ ክትሰምዕን ምኽሪ ኽትሕግዘካን ትኽእል። 

der Verein, die Vereine (ማሕበር)
ኣብ ማሕበር ሓደ ዓይነት ዕላማን ረብሓን ዘለዎም ሰባት ይራኸቡ። ንኣብነት ናይ ኩዕሶ ክለብ ወይ ማሕበር ብሓባር ኩዕሶ እግሪ ይጻወቱ ከምኡውን ናይ ሙዚቃ ማሕበር ብሓባር ሙዚቃ ይጻወቱ። 

die Verfassung, die Verfassungen (ቅዋም ወይ ሕገ መንግስቲ)
ሕገ መንግስቲ ሓደ ጽሑፍ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣገደስቲ መባእታዊ ሕግታትን መምሪሒታትን ናይ ሓንቲ ሃገር ሰፊርዎ ይርከብ። ሃገር ብኸመይ ትመሓደር ደቂ ሰባት ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንታይ ጉብእን መሰልን ኣለዎም ወዘተ ይጸሓፍ። ናይ ጀርመን መሰረታዊ ሕገ መንግስቲ ግሩንድ ገዘትስት ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

die Versicherung, die Versicherungen
Man bezahlt jeden Monat oder jedes Jahr für eine bestimmte Situation Geld an die Versicherung. Damit ist man für diese Situation versichert. Zum Beispiel Krankheit: Sie zahlen jeden Monat Geld in die Krankenversicherung. Dann werden Sie krank und müssen zum Arzt. In dieser Situation zahlt die Krankenversicherung für den Arzt und nicht Sie selbst. 

das Visum, die Visa (ቪዛ)
ቪዛ እንተለካ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ክትጓዓዝ ትኽእል። ናይቲ ትገሸሉ ሃገር ቪዛ ካብ ኤንባሲ ናይታ ሃገር ይወጽእ። 

die Volkshochschule, die Volkshochschulen (ሕዝባዊ ቤት ትምህርቲ)
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ዓበይትን መንእሰያት ይመሃሩ። ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ክቡር ኣይኮነን። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ከምኡውን ቋንቋታት ትመሃር። ንኣብነት ስዕሊ ኣንጠረኛ ወርቅን ብሩርን ሳዕሳዒት ቅብኣ ወዘተ ……. ዝኾነ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝተማህረ ሰብ መዛዘሚ ፈተና ክወስድ ይኽእል። ንኣብነት መዛዘሚ ታሕተዋይ ማእከላይ ድረጃ ቤት ትምህርቲ እዩ። ሰዓታት ትምህርቲ ምሸታዊ ወይ ኣብ መንጎ ሰሙን ወይ ከኣ ቀዳመ ሰንበት ይኸውን። 

der/die Vorgesetzte, die Vorgesetzten (ሓላፊ)
ኣብ ጀርመን / ፎርገዘትስተ / ዝበሃል ቀዳማይ ተጻዋዒ ሓላፊኻ እዩ። ኣብ እዋን ስራሕ ብቐዳምነት ናትካን ናይ ስራሕካን ሓላፍነት ኣለዎ። እንታይ ስራሕ ተሳልጥ ወይ እንታይ ስራሕ ይወሃበካ ንሱ ይውስን። ንሓላፊኻ ሓላፊ ከምዘለዎ ኣይትረስዕ። 

die Vorsorgeuntersuchung, die Vorsorgeuntersuchungen (መርመራ ክንክን ጥዕና)
እዚ ልሙድ ናይ ሓኪም ናይ ጥዕና መርመራ እዩ። ከይሓመምካን ቃንዛ ዘይብልካን ፡ ጥዕናኻ ምሉእ እንከሎን ክትምርመር ትደሊዶ ። ንቆልዑት ዓሰርተ ዝኾና ልሙዳት ምርመራ ናይ ክንክን ጥዕና ሓኪም ቆልዑት ይካየደሎም ። ዋጋ ብነጻ እዩ። እታ ቀዳመይቲ መርመራ ቆልዓ ውልድ ምስበለ ትካ የድ። እታ ናይ መወዳእታ ድማ ቕድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ትኸውን። 

das Vorstellungsgespräch, die Vorstellungsgespräche (ናይ ስራሕ ቃለ መሕትት)
ስራሕ ኣመልኪትካ ዶ ? ወሃቢ ስራሕ ማመልኸቻኻ ኣዕጋቢ ኮይኑ ምስዝረኽቦ ዝያዳ ንኽፋለጠኻን ብዛዕባኻ ክፈልጥን ይደሊ። ንዘተ ኢንተርቪው ትዕደም። እዚ ፎርሽተሉንግስ ገሽፕረሽ ይበሃል። ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝምልከት ካብ Arbeitsagentur - Jobcenter ትረክብ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

W

die Warmmiete, die Warmmieten (ጠቕላላ ዋጋ ክራይ ገዛ)
እዚ ዋጋ እዚ ኩሉኩሉ ዋጋ ገዛ ክራይ ኮይኑ ፡ ተደራቢ ዋጋ ገዛ ክራይ ውን ዝሓወሰ እዩ። 

der Wochenmarkt, die Wochenmärkte (መዓልቲ ዕዳጋ)
ኣብ ቡዙሓት ከተማታት ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ወይ ክልተ ግዜ መዓልቲ ዕዳጋ ኣለወን። እቲ ዕዳጋ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ወይ ኣብ ኣደራሽ ይኸውን። ሸቓጦ መብዝሕትኡ እዋን ካብ ከባቢ ወይ ጎዶቦ ይመጹ። ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ መብዝሕትኡ ግዜ ፍሩታ ኣሕምልቲ ጸባ ፎርማጆ ስጋ ዓሳ ይሽየጥ። ሓደሓደ ግዜ ድማ ክዳውንቲ ትዕድግ። 

der Wohlfahrtsverband, die Wohlfahrtsverbände (ናይ ተራድኦ ማሕበር)
ናይ ተራድኦ ማሕበር ኣብ ጀርመን ምእንቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ይሕለቕ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳራዊ ኸባቢታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ይርከባ። ብዙሓት ሰባት ኣብአን ብወለንትኦም ይሰርሑ። ንኣብነት ምስ ስደተኛታትይተሓጋገዙ። ስደተኛታት ሕቶታት እንተለዎም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ናይ ተራድኦ ማሕበር (Wohlfahrtsverband) ክውከሱን ሽግር ኣብ ዘጋጥም ኣድላዪ ሓበሬታን ደገፍን ክረኽቡን ይኽእሉ። 

das Wohngeld (መመላእታ ገንዘብ ገዛ ክራይ)
ገዛ ክራይ ከቢሩካ ዶ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ኣባይቲ / ቮን ኣምት/ ናይ ጽሑፍ ማመልከቻ ንመመላእታ ዝኸውን ገንዘብ ትሓትት። ኩሉ ገዛ ክራይ ባዕልኻ ክትከፍሎ የብልካን ገለ ክፋል ናቱ መንግስቲ ትኸፍል እያ። 

das Wohnungsamt, die Wohnungsämter (ቤት ጽሕፈት መንበሪ ኣባይቲ)
ገዛ ክራይ ከቢሩካ ዶ ? ቤት ጽሕፈት መንበሪ ኣባይቲ መመላእታ ገዛ ክራይ ብምሃብ ወይ ንብረት ማሕበራዊ ኣባይቲ ዝኮነ መተካእታ ገዛ ፡ / ሶሻል ቮንኑግ / ኣምሳይኡ፡ ብምሃብ ትታሓባበረካ። ንመንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ዘይበረሀ ሕቶ እንተለካ ድማ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ኣባይቲ ፡ መብርሂ ትህብ እያ።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation

X

Y

Z

das Zahlungsmittel, die Zahlungsmittel (ኣገባብ ምክፋል ገንዘብ)
ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገባብ ምክፋል ገንዘብ ኣሎ። ንኣብነት ብጥረ ገንዘብ ካብ ባንክ ብምስሓብ ብኤሎትሮኒክ ካርድ ኤሰ ካርተ ብ ለቃሕ ብቅብሊት / ረኽኑን / ይኽፈል። 

das Zeugnis, die Zeugnisse (ምስክር ወረቐት)
ምስክር ወረቐት ክፋል ናይ ማመልከቻ ሰነድ እዩ። ኣብ ምንዳይ ስራሕ የገልግል። ንኣብነት ናይ ስራሕ ምስኽር ወረቐት ኣሎ። ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካዮ ስራሕ ትገልጽ። ናይ ትምህርትን ናይ ላዕለዋይ ቤት ትምህርትን ምስክር ወረቐት ኣሎ። ካብቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝረኸብካዮ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት እዩ። ኣብ መቦቆል ዓድኻ ዘጥረኻዮ ምስክር ወረቐት ክተተርግሞን ብትኽክለኛ ቅዳሕ ክተመስክሮን / በግላውቢገን/ ክትገብሮን ኣለካ። 

die Zinsen (ወለድ)
ኣብ ባንክ ገንዘብ ኣለካ ዶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ወርሒ ቁሩብ ገንዘብ ኣብ ልዕሊኡ ይውሰኸልካ። እዚ ሲንዘን ወይ ወለድ ይበሃል። ኣብ ባንክ ለቃሕ ኣለካዶ ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ወርሒ ቁሩብ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ዕዳኻ ይውሰኸልካ። እዚ ድማ ወለድ ወይ ሲንዘን ይበሃል። 

die zweisprachige Schule, die zweisprachigen Schulen (ቤት ትምህርቲ ድርብ ቋንቋታት)
ኣብዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚኣን ዝወሃብ ትምህርቲ ብክልተ ቋንቋታት መብዝሕትኡ ግዜ ብቋንቋ ጀርመንን ካልእ ቋንቋን ይኽውን።

Glossar Sprungnavigation

Glossar Sprungnavigation