Eine Demonstration mit vielen Menschen ist zu sehen. Im Vordergrund sieht man eine Regenbogenfahne. © Goethe-Institut

ናይ ጀርመን ቅዋም ወይ ሕገ መንግስቲ መሰረታዊ ሕጊ ይበሃል። ኣገደስቲ ሕጋውን ፖለቲካውን መምርሒታት ናይ ሃገር ጀርመን ኣብቲ መሰረታዊ ተጠቒሰን ይርከባ ። እዚ ማለት ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ክዋሳእ ይኽእል። ንኣብነት፡ ክለባትን፡ ናይ ምንቕቓሕ ተበግሶታትን፡ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ወይ ሰልፍታትን እየን። ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝተፈላለየ መደብን ዕላማን ኣለወን ፡፡ ዝዓበያ ሰልፍታት ፡ ሲዲዩ ( ክሪስትሊሽ ዲሞክራቲሸ ዩኒዮን ) ፡ ኤስ ፐ ደ ( ሾሻል ዲሞክራቲሸ ፓርታይ ዶችላንድ) ቡንዲኒስ 90 ግሩነ ኤፍ ደ ፐ ( ፍራየ ዲሞክራቲሸ ፓርታይ) ከምኡውን ሊንከ እየን። ፒራተን ፓርታይ እትባሃል ሓዳስ ሰልፊ ውን ኣላ። ካብኡ ሓሊፍ ብዙሓት ናኣሽቱ ሰልፍታት ይርከባ። 

Eine Demonstrationen zum Klima ist zu sehen. Viele Plakate werden in die Luft gehalten. © Goethe-Institut

ኣብ መሰረታዊ ሕጊ ፡ ግቡእን መሰልን ናይ ደቂ ሰባት ኣብ ጀርመን ተጠቒሱ ይርከብ። ኣገደስቲ ግቡኣት፡ ንኣብነት ናይ ትምህርቲ ግደታ፡ ማለት ,, ናእሽቱን መንእሰያትን ኣብ ጀርመን ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግደዱ፡፡ ቀጺሉ ናይ መንግስታዊ ቐረጽ ግደታ፡ ንኣብነት,, እቶት ዘለዎ ቐረጽ ይኸፍል,, ። ንኽብሮት ናይ ስርዓተ ሕጊ ዝምልከት ድማ፡ ,, ነፍስ ወከፍ ሰብ ብሕጊ ይቕየድ,, ይብል።  

ኣዘን ዝስዕባ ድማ ኣገደስቲ መሰላት ድማ ኣለዋ።

ክብረት ወዲ ሰብ ፡ ሓደ ሰብ ንነፍስ ወከፍ ካልእ ሰብ ክኽበር ኣለዎ።

ማዕርነት ፡ ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ደቀ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ መሰል ኣለዎም።

ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ፡ ኩሎም ደቀ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም።

መሰል ናይ ነጻ ሓሳብካ ምግላጽ ፡ ኩሉ ሰብ ዝሓሰቦ ክዛረብ ይኽእል። 

ናይ ምትእኽኻብ ናጽነት ፡ ኩሉ ሰብ ብጉጅለ ክእከብ ይኽእል። 

ነጻ ምንቕስቓስ ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ክነብር ይኽእል::

ካልእ መሰላት፡ ን ሓለዋ ቃልኪዳንን ስድራቤትን ፡ ን ናይ ምርጫ መሰልን ንናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዝምልከት ኣሎ።

ሰባት ኣብ ጀርመን ክመርጹ ይኽእሉ። ክምረጹ ውን ይኽእሉ እዮም። እቲ ምርጫ ምስጢራውን ሓፈሻውን ነጻን እዩ። ናይ ኤውሮፓ፡ ናይ ፈደራልስዊ ባይቶ፡ ናይ ኣውራጃዊ ባይቶ፡ ናይ ኣካባቢ፡ ምርጫታት ኣሎ። ኣብ ናይ ኤውሮፓን ናይ ከባቢን ምርጫ ኣብ ጀርመን ዝቕመጡ ናይ ኤውሮፓ ሕብረት ዜጋታት ከመርጹ ይኽእሉ። ከም ልሙድ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ክመርጽ ይኽእል። ኣብ ገለ ኣውራጃታት ናይ ከባቢ ምርጫ ኣብ ዘካይዳሉ እዋን መረጽቲ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚ ክኮኑ ይኽእሉ። ኣብ ፈደራላዊን ኣውራጃውን ባይቶታት ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ጀርመናዊ ዜግነት ዘለዎም ጥራይ ክመርጹ ይፍቀደሎም። ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ናይ ምውህሃድ ቤት ምኽርን ፡ ሓውሲ ቤት ምኽርን ድማ ኣሎ። ከም ልሙድ ጀርመናዊ ድሕረ ባይታ ዘይብሎም ይምረጹ። ናይ ምውህሃድ ቤት ምኽሪ ፡ ንፖለቲካዊ ረብሓ ናይ ጀርመናዊ ድሕረ ባይታ ዘይብሎም ዜጋታት ንምጥባቕ ዝቖመ እዩ ። ሕቶን ጸጋማትን ኣብ ምፍታሕ ይሕግዝ። ከምዚ ብምግባር እቲ ኣብ መንጎ ጀርመናውያንን ፡ ናይ ጀርመናውያን ድሕረ ባይታ ዘይብሎም ዜጋታትን ዝርከብ ናይ ሓባር ናብራ የቀራርብዎ። 

Das Innere einer christlichen Kirche ist zu sehen. © Goethe-Institut
   
ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከምዚ ዝስዕብ ይብል
ነፍስ ወከፍ ሰብ ዝደለዮ ሃይማኖት ብነጻ ይመርጽን የምልኽን። ብግምት ሓደ ሲሶ ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ሕዝቢ ብወግዒ ሃይማኖት የብሉን። መብዝሕትኦም ጀርመናዊያን ናይ ክርስትና እምነት ሃይማኖት ማለት ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊትን ናይ ከኒሻን ተከተልቲ እዮም። መብዝሕትአን ናይ ክርስትያን በዓላት ፡ ከም ልደትን ፋሲካን ብሕጊ ዝጸደቓ፡ ሕዝባዊ ባዓላት እየን። እዚ ማለት ፡ መብዝሕትኦም ሰባት ኣብተን በዓላት ክሰርሑ ኣይግባእን። ይኹን እምበር ብዙሓት ኣስላምን ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖትን ኣብ ጀርመን ይነብሩ እዮም ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ካቶሊክን ናይ ከኒሻን ትምህርቲ ክርስቶስ ይወሃብ እዩ። ኣብ ገለ ቤት ትምህርቲ ድማ፡ ናይ ተዋህዶን ናይ ይሁዳን ከምኡውን ናይ ምስልምናን ክፍሊ ትምህርቲ ኣሎ። ወለዲ ንውላዶም ኣብ ሃይማኖተ ትምህርቲ ክሳተፍን ከይሳተፍን ይውስኑ። እቶም ወለዲ ውላዶም እንታይ ዓይነት ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ይሳተፍ ከኣ ይውስኑ።

Menschen sitzen vor einem Cafe in der Sonne. Ein Mann in einem Rollstuhl ist zu sehen. © Goethe-Institut
 

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form