Seitliche Ansicht auf einen jungen Mann der vor einem Schild an einem Gebäude mit der Auschrift © Goethe-Institut

ኣገልግሎት ምኽሪ ብኸመይ'ዩ ዝወሃብን ዝርከብን?

ሕቶ ወይ ጸገም ኣለኩም ድዩ? መልስን ምኽርን የድልየኩም ድዩ? ኣብ ምኽሪ ዝወሃበሉ ኣገልግሎት ዝሕግዙኹም ሰባት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዞም ኣማኸርቲ እዚኦም ንሕቶኹም ዝኸውን መልሲ ዘለዎም ወይ ክኣ ሓገዝ ኣበይ ክትረኽቡ ከም እትኽእሉ ዝፈልጡ’ዮም። 

ናብ ምኽሪ ዝወሃበሉ ቦታ ንበይንኹም ክትከዱ ኣይትደልዩን ትኾኑ? ከም’ዚ እንተኾይን፡ ንብዓልቲ ቤትኩም ወይ ንብዓል ቤትክን፡ ንሓደ ወይ ንሓንቲ ዓርከ መሓዛ ወይ ንኻልእ ሰብ ተማልእዋ/ተማልእዎ ኢኹም። ኣብ ብዙሓት ኣገልሎት ምኽሪ ዝህባ፡ ተሌፎን ክትድዉልለን'ውን ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ተሌፎን ድማ እቶም ኣማኸርቲ ንሕቶታትኩም ክምልሰልኩም ዝካኣል’ዩ። ብኦንላይን (online) ኣብ ኢንተርነት'ውን ምኽሪ ይርከብ’ዩ፦ ሕቶኹም ብመገዲ ኢመይል (Email) ወይ ቻት (Chat) ክተቕርቡ ትኽእሉ። 

ዝካየድ ምኽሪ ስም ዘይርቋሓሉ ስቱር’ዩ። እቶም ኣማኸርቲ ምሳኹም ብዛዕባ ሕቶታትኩምን ጸገማትኩምን ጥራይ’ዮም ዝዛረቡ። ብዛዕባ ዘካፈልክሞም ጸገማትን ሕቶታትን ድማ ንኻልእ ሰብ ክነግሩ ኣይፍቀድን’ዩ። እቶም ኣመኣኸርቲ ነጻን ጸግዒ ዘይብሎምን እዮም፦ ድሌቶም ንዓኹም ወይ ንዓኽን ምሕጋዝ ጥራይ’ዩ። ክትኣምንዎም ትኽእሉ እሙናት’እዮም። ስለ'ዚ ዘሰክፍ ኮነ ዘፍርሕ ፈጺሙ የብልኩምን። መብዛሕትኡ ጊዜ ብነጻ’ዩ ምኽሪ ዝወሃብ። ነቲ ዝግበረልሉም ሓገዝ ክትከፍልሉ ኣየድልን'ዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ሽዑ ንሽዑ ካብ ኣማኸርቲ ሓገዝ ይርከብ’ዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ግና ኣቐዲምኩም ቆጸራ ክትገብሩን ክትሕዙን ኣለኩም።

ንዓይ ዝኸውን ፍሉይ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣሎ ዶ?

ንተሰዲዶም ዝመጹ ዝኸውን ፍሉይ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህባ ኣለዋ፦ ተሰዲዶም ንዝመጹ ዓበይቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህብ Migrationsberatung für erwachsenen Zuwanderer (MBE) ዝበሃልን ተሰዲዶም ንዝመጹ መንእሰያት ዘማኽርን Jugendmigrationsdienst (JMD) ዝበሃል’ዮም። ስም ዘይርቋሓሉ ስቱራት ዝኾኑን ጸግዒ ወይ ሻርነት ዘይብሎምን ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ምኽሪ ዝህቡን’ዮም። MBE ንዅሎም ዓበይቲ ስደተኛታት ዝሕግዝ ክኸውን እንከሎ፡ JMD ድማ ካብ 12 ክሳዕ 27 ዕድሜኦም ንዝኾኑ መንእሰያትን ንወለዶምን ዝድግፍ’ዩ። ኣብኡ ዘለዉ ኣማኸርቲ ከም'ቲ ልሙድ ብዙሓት ቋንቋታት ዝዛረቡ’ዮም። እቲ ኣማኻሪ ቛንቋኹም ክዛረብ ኣይክእልን ድዩ? ናይ ቋንቋ ጀርመን ክእለትኩም ገና እኹል ኣይኮነን ድዩ ? ከም'ዚ እንተኾይኑ፡ ንኽልቲኡ ቋንቋታት ዝዛረብ ተርጓማይ ክሕግዘኩም ይኽእል’ዩ። 

ነቲ ኣማኻሪኸ እንታይ ክሓቶ እኽእል?

እቶም ንመንእሰያት ዘማኽሩ (JMD) ከምኡ'ውን ንዓበይቲ ዘማኽሩ (MBE) ንናብራ ጀርመን ዝምልከቱ ዘበሉ ሕቶታትን ጸገማትን ኣብ ምምላስን ፍታሕ ኣብ ምቕራብን ዝተሓጋገዝዙ’ዮም። ንኣብነት፦ በዚ ተዋሂቡኒ ዘሎ ቪዛ ኣብ ጀርመን ንኽንደይ ክጸንሕ ይፍቀደለይ? ኣብ ስድራ ቤተይ ጸገም እንተ'ጓኒፉኒ፡ ሓገዝ ኣበይ እረክብ? ቋንቋ ጀርመን ኣበይ ክምሃር እኽእል? መንበሪ ገዛ ኣበይ ክረክብ እኽእል? ኣብ ጀርመን ክሰርሕ እኽእል ዶ? ስራሕ ኣበይ ክረክብ እኽእል? ናይ ገንዘብ ጸገማት እንተ'ለኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ? ምስ ዝሓምምከ እንታይ ክገብር ኣለኒ? እንተወሊደኸ መን'ዩ ዝሕግዘኒ? ፍቓድ መዘወሪ (ፓቴንቲ) ኣበይ'ዩ ዝወሃበኒ? እንታይ ዓይነት ቲኬት'ዩ ንባቡር ዘድሌኒ? ምስክር ወረቓቕተይ (ሰርቲፊከይት ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ሞያይ ወዘተ.) ከመይ ጌረ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ከም ዝረክብ እገብር? ብፍላይ እቶም ንመንእሰያት ስደተኛታት ዘማኽሩ (JMD) ኣብ ስርዓተ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን መንገዲ ንኽትረክብን ንኽትሕዝን ዘማኽሩን ዝተሓጋገዙን’ዮም። 

ኣብ ጀርመን'የ ዘለኹ። ከመይ ጌረ ኣማኻሪ ክረክብ እኽእል?

ኣብ ጀርመን ኣቲኹም ኣለኹም? ኣማኻሪ ድማ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣድራሻታት (Wichtige Adressen) ብምእታው፡ ንዓበይቲ ወይ ንመንእሰያት ስደተኛታት ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህቡ፡ ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ MBE ወይ JMD ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድራሻታት ወይ ቍጽሪ ስልኪ ዝሓዘ ሓበሬታ ድማ ኣብ ሓደ ካርታ ክትሪእዎ ኢኹም። 

ገና ኣብ ሃገረይ'የ ዘሎኹ። ንዓይ ዝኸውን ኣገልግሎት ምኽሪ ብኸመይ እረክብ?

ኣብ ጀርመን ገና ኣይኣቶኹምን። ኣብ'ቲ ዘለኽሞ ዄንኩም ግን ዘማኽረኩም ትደልዩ ኣሎኹም? ነዚ ዝምልከት ኣብ ስደተኛታት ዘተኰረ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህብ ኣብ ኢንተርነት ኣለኩም። ኣብ'ቲ ምኽሪ-ብኦንላይን (Online-Beratung) ዝብል ብምጥዋቕ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም።