ገለልተኛ ፌደራላዊ ትካል ኣንጻር ዓሌታውነትን ተነጽሎን (ADS) ኢሉ ዝፍለጥ ሓደ ጀርመናዊ መንግስታዊ ትካል እዩ። መሰልካ ንኸይረጋግጸ ብሰንኪ ዓሌትነትን ተነጽሎን ዘጋጥም ኩሉ ዓይነት ዕንቅፋት ኣብ ምድግጋፍ ድማ ይነጥፍ። መበቆል ዝስረቱ ዘጋጥም ዓሌትነት ሓደ ካብቲ ዘጋጥም ምስኣን መሰል ኮይኑ፡ ብሰንኪ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ኣተሓሳስባ፡ ስንክልና፡ ዕድመን ፍሉይነት ጾታዊ-ርክብን ድማ ተወሳኺ ምኽንያት ንምስኣን መሰል ክኾኑ ዘኽእሉ ተርእዮታት እዮም።
ገለልተኛ ፌደራላዊ ትካል ኣንጻር ዓሌታውነትን ተነጽሎን (ADS)ኣብ ዓንኬል ሕጊ ብምንቅስቓስ፡ ብሰንኪ‘እዚ ክብ ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ዕንቅፋት ኣብ ምእላይ ክህሉ ዝኽእል ተኽእሎታት ብምሕባርን፡ ናብ ካልኦት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ምኽራዊ ሓገዝ ዝልግሳ ትካላት ኣብ ምምራሕን ድማ ይተሓሓበር።
ብሰንኪ ሕብሪ-ቆርበትን መበቆልን ዘጋጥም ተነጽሎታት ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝኽሰቱ ፍጻሜታት እዮ። ምዕቃቡን ምክልኻሉን ናይቲ ኩሉ ብማዕረ-ዝረኣየሉ ዝብል ሕጊ ድማ፡ ደረጃ መነባብሮ ብዘየገድስ እንተላይ ንሰደተኛታትን ሓደስቲ ፍልስተኛታትን ኮታ ንኹሉ ሰብ ዘገልግል ኣምር እዩ።
ብ10 ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ንሰደተኛታትን ሓደስቲ ፍልስተኛታትን ዝዓለመ ሓበሬታ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክርከብ ይከኣል።

መስርሕ ንኣብ መስርሕ-ቪዛ ዘጋጥም ተርእዮ ተነጽሎን ዓሌታውነትን
ቪዛ-ብኸመይ (VisaWie) እንዳተባህለ ዝፍለጥ መስርሕ ናይ ዝተፈላለዩ ኣብዚ ጉዳይ ኣተኩሮ ሂቦም ናይ ዝነጥፉ ማሕበራት ጥምረት ኮይኑ፡ ንቪዛ ዝምልከት ሓበሬታዊ ኣገልግሎት ድማ ይህብ። እዚ ጥምረት ኣብ ርትዓውን ግሉጽን ዝኾነ ናይ ቪዛ ምሃብ መስርሕ ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ኣገደስቲ ሓበሬታን ሓገዝን ድማ ካብቶም ተወሰኽቲ ዝህቦም ኣገልግሎታት እዩ።- Federal Anti-Discrimination Agency (ADS): Information for refugees and newcomers in 10 languages
- Federal Anti-Discrimination Agency (ADS)
- Federal Anti-Discrimination Agency (ADS): Grounds for discrimination
- Federal Anti-Discrimination Agency (ADS): Advice for victims of discrimination
- VisaWie?