Ein Wohnhaus mit vielen Wohnungen ist zu sehen. Vor dem Haus steht ein blühender Baum. © Goethe-Institut

ምንዳይ መንበሪ ገዛ

መንበሪ ገዛ ትደሊ ዶ _ ኣብ ብዙሕ ጋዜታት ብዛያዳ ድማ ዓርቢ ወይ ቀዳም ናይ መንበሪ ገዛውቲ መዋዓውዒ ኣሎ። መዋዓውዒ ኣብ ጋዜጣን መርበብ ኢንተርነትን ትረኽቦ ፡፡ ካልእ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ኣባይቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ኣሎ። ከምኡውን ኣብ ከተማኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ምንዳይ ክትሓባበረካ ትኽእል። ኣብ ገሊኡ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ሓደ መንበሪ ገዛ ብቐሊሉ ይርከብ ኣብ ካልእ ከባቢ ግን ዝኸበደ ይኸውን፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ደላሊ ኣባይቲ ኣብ ምንዳይ ይተሓባበር። ገዛ እንተረኺቡልካ ክትከፍሎ ይግባእ። ከምልሙድ ሓደ ደላሊ ፡ ዓስቡ ናይ 2 ክሳብ 3 ወርሒ ገዛ ክራይ ዘኣክል ገንዘብ ይወስድ።

Ein Schlüsselbrett mit vielen Schlüsseln hängt im Eingang einer Wohnung. © Goethe-Institut

ተኻራዪ ከምኡውን

ኣብ መዋዓውዒ መብዝሕትኡ እዋን እቲ ገዛ ክንደይ ከምዝካረ ዋጋ ይጸሓፍ፡፡ እዚ መብዝሕትኡ ምዱብ ገዛ ክራይ / ካልት ሚተ/ ጥራይ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ተደራቢ ዋጋ /ነበን ኮስት/ ይውሰኾ። ንኣብነት ናይ ማይ፡ ናይ ኣስካላ መጽረይ፡ ናይ ጓሓፍ ዋጋታት የጠቓልል። መውዓይ ገዛን ኤለትሪክን እውን ሓደ ክፋል ናይ ተደራቢ ዋጋ እዩ ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ገሊኡ እዋን ይፈላለ። ንኣካራይ ገዛ ኣብቲ ተደራቢ ዋጋ ዝጽብጸብ ክፍሊታት እንታይ እንታይ ከምዘጠቓልል ሕተት።

ምዱብ ዋጋ ክራይን ፡ ተደራቢ ዋጋን ተደሚሩ፡ ጠቕላላ ገዛ ክራይይኽውን። ኩሉ ጠቕላላ ገዛ ክራይ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ፡ ናብ ኣካራይ ገዛ ብባንክ ይመሓላለፍ። 

ከም ልማድ ገዛ ክራይ ብዘይ ዝኾነ ኣቕሓ ገዛ ይኻረ ሓደ ሓደ ኣቕሑት ኣብቲ ገዛ ኣንተልዩ ንኣብነት ፍሪጅ ክትኸፍሎ ኣለኻ። እዚ ዘይንቐሳቐስ ንብረት ገዛ ይበሃል። 

ኣካራይቲ መብዝሕትኡ ግዜ ካብ ተካረይቲ ትሕጃ ይደልዩ ብዝሒ ናቱ ድማ 3 ዕጽፊ ናይ ምዱብ ገዛ ክራይ ይበጽሕ። ካብ ገዛ እትወጻሉ ግዜ እቲ ኣካራይ ነቲ ትሕጃ ይመልሰልካ። እትኸፍሎ ገዛ ክራይ ብዙሕ ምስዝመስለካ፡ ሰለዳ ናይ ማእከላይ ዋጋ ገዛ ናይ እትነብረሉ ከተማ ተመልከት። ኣብኡ ሓደ ማእከላይ ግምት ዋጋ ክራይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ኣሎ፡፡ ኣብ ኢንተርነት ,,Mietspiegel,, ዝብል ጠዊቕካ ናይ ትነብረሉ ከተማ ሰለዳ ናይ ማእከላይ ዋጋ ገዛ ግምት፡ ፍለጥ፡፡ 

ኣብ መጀመሪያ ዓመት ናይ ክራይ ሓደ ተካራይ ናይ ዝተጠቕመሉ፡ ማይን ኤለትሪክን ጋዝን ክፈልጥ ኣይክእልን፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ኣቐዲሙ ሓደ ዋጋ ይስልዓልካሞ ይኸፍል። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመት ድማ ዝያዳ እንተተኸፊሉ ፡ ተረፍ ገንዘብ ተመላሲ ይኽውን።

Ein Stromzähler hängt im Keller einer Wohnung. © Goethe-Institut

ውዕል ገዛ ክራይ

ኩሉ ንክራይን ትሕጃን ዝምልከት ሓበሬታት ኣብ ውዕል ገዛ ክራይ ይጥቐስ። ብጀካዚ ውን ኣብቲ ውዕል ገዛ ኣብ ትወጻሉ እዋን ክተሓድሶ ምዃንካን ዝይምዃንካን ይግለጽ እዩ ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ውን ንገዛ ክራይ ናይ ምልቓቅ ገደብ ዝምልከት ሓበሬታ ይጥቀስ። መብዝሕትኡ እዋን ኣብ ሓደ ገዛ ምስትካረ ናይ ምትሕልላፍ ፕሮቶኮል ትፈራረም። ኣብዚ ናይ ምትሕልላፍ ፕሮቶኮል ንኣብነት እንታይ እንታይ ኣቕሓ ድሮ ኣብቲ ገዛ ኣሎ ይጥቀስ ፡፡ በዚ ንስኻን ኣካራይን ኣብ ገዛ ገዛ ኣብ እትለቐሉ እዋን፡ እንታይ ክተርፍ ይግባእ ተነጽርዎ። ቅድሚ ምፍርራምካ ግን ፡ ነቲ ውዕል ናይ ገዛ ክራይን፡ ናይ ምትሕልላፍ ፕሮቶኮልን ኣስተውዒልካ ኣንብቦ።

መምርሒ ኣጠቓቕማ ገዛ

ምስ ጎረባብትኻ ቆዮቛ ኣይትደልን ? ገለ መምርሒታት ኣስተውዕለለን ፡፡ ከምልሙድ ካብ ሰዓት 10 ናይ ለይቲ ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ንግሆ ናይ ጸጥታ እዋን እዩ። ጫው ጫው ክትብል የብልካን። ሰንበትን በዓላትን ውን ከምኡ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እዩ።

ኣብ ጀርመን ዝተፈላለየ ናይ ጓሓፍ በርሚላት፡ ንኣብነት ናይ ወረቐትን ካርቶንን፡ ናይ ኣሕምልቲ ፡ናይ ፉሩታ ተረፍ መረፍ ከምኡውን ናይ ካልእ ጓሓፍ በራሚላት ኣሎ። ጠራሙዝን፡ ታኒካታትን፡ ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑትን ድማ፡ ኣብ ፉሉይ ናይ መኣከቢ ቦታ ወይ ኮንተነራት ትጉሕፎ። ንካልእ ተወሳኪ መምርሒታት ዝምልከት፡ ኣብቲ ናይ መምርሒ ኣጠቓቕማ ገዛ ተዘርዚሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ከልቢ ወይ ድሙ ኣብ ገዛ ክህልወካ ይፍቀድ ድዩ ? ነቲ ኮሪደር ወይ ማርሻፔዲ ክተጽርዩ ኣለካ ዶ ? ወዘተ…….።

Eine Person putzt ein Treppenhaus in einem Wohnhaus. © Goethe-Institut

 

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form