Ein Mann schaut aus einem Fenster und lacht dabei. © Goethe-Institut

ፓስፖርትን ቪዛን

ኣብ ሃገር ጀርመን ንምጋሽ ብቑዕ ዝኾነ ንመንነትካ ዘረጋግጽ ፓስፖርትን ካልእ ሰነዳትን የድሊ። እቲ ፓስፖርት ንመጻኢ እዋን ውን ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ንምእታው የገልግል። ካብ ኣባል ኤውሮፓ ሕብረት ዘይኮኑ ዜጋታት መእተዊ ቪዛ የድልዮም። 

ቪዛ ካብቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ኤምባሲ ናይ ጀርመን ይርከብ። ኣብ ጀርመን ናይ ስራሕ ውዕል ኣለካ ዶ ? ወይ ውን ገለ ካብ ስድራ ቤትካ ኣብ ጀርመን ኣለው ዶ ? ከምዚ እንተኾይኑ፡ ቪዛ ንክትረክብ ቀሊል እዩ። ሓበሬታ ን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ተወከስ። 

ንዜጋታት ኤውሮፓ ሕብረትን ወይ ድማ ቁጠባዊ ሕብረት ኤውሮፓ ቪዛ ኣየድልዮምን እዩ።

Auf einer Hauswand sieht man ein Schild, das zum Bundesamt für Migration und Flüchtlinge führt. © Goethe-Institut

ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ነባርነት ናይ መንበሪ ወረቐትን

ኣብ ጀርመን፡ መጀመሪያ ኣብቲ ትነብረሉ ከተማ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ንነበርቲ ትምዝገብ ወይ ተመልክት። ድሒሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ትኸይድ ኣብኡ ናይ መንብሪ ወረቐት ሰነድ ይወሃብ። እዚኣ ሓንቲ ካርድ ኮይና ናትካ ናይ ህልውና ኩነታት ትገልጽ። እዚ ማለት ንኽንደይ እዋን ኣብ ጀርመን ክትጸንሕ ከምዝፍቀደካን ወይ ውን ክትሰርሕ ዝግበኣካን ዘይግብኣካን ከምዝኾነ ተብርህ። 

ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ከድካ ቋንቋ ጀርመን ከምዝይትኽእል ሓቢርካ ዶ ? ንሓደ ኣስተርጓሚ ተወከስ። ንሱ ቋንቋ ጀርመንን ቋንቋኻን ስለዝፈልጥ ኣብ ምርድዳእ ይሕግዘካ።

ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ኮርስ

ምልኪ ቋንቋ ጀርመን የብልካን ? ናይ ምውህሃድ ኮርስ ተኻፈል። ሓድ ሓደ እዋን ናይ ምውህሃድ ኮርስ ክትካፈል ናይ ግድን ኣዩ። ኣብኡ ቋንቋ ጀርመን ትመልኽ። ኣብኡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣነባብራ ሂወት ኣብ ጀርመን ትላለ። ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ሓደ ነቲ ኮርስ ዘድሊ መሰነይታ ወረቐት ትህበካን ኣበይ ከምትኸይድ ውን ትሕብረካን። ብዝያዳ Integrationskurs ዝብል ጽሑፍ ኣንብብ።

Ein Kursteilnehmer lacht in die Kamera. Er befindet sich im Klassenzimmer. © Goethe-Institut

ምንዳይ ስራሕን ትምህርቲ ሞያን

ቀጺሉ ዝስዕብ ስጉምቲ ምንዳይ ስራሕ እዩ። ኣብ ሃገርካ ድሮ ዘጥረኻዮ ሞያ ወይ ትምህርቲ ኣሎዶ ? ኣንተልዩ ነቲ ዝሓዝካዮ ምስኽር ወረቓቕቲ ክተስተርጉሞን ብቕዓቱ ክተመስክሮን ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ንቤት ጽሕፈት ዕዮ ከመይ ከምትገብር ሕተት። ከመይ ከምትገብር ንሶም ይሕብሩኻ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ንምንዳይ ውን ትተሓባበር እያ። ክሳብ ሎሚ ዘጥረኻዮ ሞያ እንተዘየለ ወይ ውን ትምህርቲ ዘይወዳእካ እንተኾንካ ብዛዕባ እዚ ውን እንተኮነ ምስ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተመያየጥ። ኣብኡ ናይ ሞያ ሓበሬታ ትረክብ። ወላውን እንታይ ከምትመሃር ዘይወሰንካ እንተኾንካ ፡ ምኽሪ ትልግሰልካ እያ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ንትምህርቲ ሞያን ፡ ኮርሳትን ዝምልከት ሓበሬታ ትህብ። ንዝያዳ ጽሕፍ Studium und Berufsausbildung ኣንብብ።

ትምህርቲን ቆልዑትን

ልዕሊ 6 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግደዱ። ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣመዝግቦ። ቤት ጽሕፈት መንእሰይ ኣብቲ ዘለኻዮ ከተማ ዝርከብ ክትሕግዘካ እያ። ብዝያዳ ድማ ፡ ጽሑፍ Frühe Förderung und Schulsystem ኣንብብ።

ኢንሹራንሳት

ሓደ ክልተ ኣገደስቲ እንሹራንሳት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ናይ ጥዕና ፡ ናይ ጡረታ ፡ ናይ ክንክን እየን። ስራሕ ኣብ ዝጀመርካሉ ጊዜ ፡ እዘን እንሹራንሳት እዚኣን ብቐጥታ ይመጻ። ካብኡ ሓሊፉ ውን ተንቀሳቓሲ ሕሳብ ባንክ የድልየካ። ጽሑፍ ‘‘Bankkonto und Finanzen‘‘ ኣንብብ።

ኣገደስቲ ኣድራሻታት

ናይ ኮርስ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ካብ ምውህሃድ ኮርስ ወይ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ዶ ትደሊ ? ኣገደስቲ ኣድራሻታት Wichtige Adressen ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣናዲ። ናይ ስልክን ናይ ኣድራሻን ሓበሬታታት ኣብቲ ካርታ ተጻሒፉ ይርከብ።

Video International Sign

ዝደጋገሙ ሕቶታት

Further questions? Write us via the contact form. We will forward your questions anonymously to the advisors of the youth migration services.

Contact form